ሱዳን፣ ሰራሕተኛታት በዓል መዚ ኤሌክትሪክ፣ ንዘጋጥም ዘሎ ተደጋጋሚ ምቁራጽ ኤሌክትሪክ ብምቅዋም ይእድሙ

Radio Erena: 15 May 2019

ሰራሕተኛታት ናይቲ፣ ኣብ ሱዳን ከተማ ካርቱም ናይ ዝርከብ፣ በዓል መዚ ኤሌክትሪክ፣ ኣብታ ከተማ ንዘጋጥም ዘሎ ተደጋጋሚ ምቑራጽ ኤሌክትሪክ ዘለዎም ተቓውሞ ንምግላጽ ኣድማ የካይዱ ከምዘለዉ ተፈሊጡ።

እቶም ሰራሕተኛታት፣ እቲ ብቀጻሊ ዝርአ ዘሎ ምጥፋእ ኤሌክትሪክ፣ ምኹኑይ እይኮነን ኣብ ርእሲ ምብሎም፣ ብስርዓት ኣልበሽሪር ዝተመደቡ ኣካየድቲ ስራሕ ናይቲ ትካል ክእለዩ’ውን ጸዊዖም።

ብዘይካ’ዚ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ብድምር ዝመጽእ ዘሎ ናይ ማይን ኤሌክትሪክን ክፍሊታት ክፈላለ’ውን ሓቲቶም።

ኣብ ሱዳን፣ ሓካይም፣ መማህራን፣ ፖሊስን ካልኦት ሞያውያን ማሕበራት ሰራሕተኛታት መንግስትን ኣድማታት የካይዱ ከምዘለዉ ይፍለጥ።

ኣብ ካርቱም ንዝካየድ ዘሎ ኣድማን ተቓውሞ ንምብታን፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ዕጡቓት ብዝኸፈትዎ ቶዅሲ ሓያሎ ሰባት ግዳያት ሞትን መቑሰልትን ኮይኖም’ዮም።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ሱዳን ህዝባዊ ናዕቢ ካብ ዝተጀመረሉ ወርሒ ታሕሳስ 2018 ክሳብ 11ሚያዝያ 2018 ኣብ ዝነበረ ግዜ ብዝተፈጸመ ሞትን መቑሰልትን፣ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ነበር ዑመር ሓሰን ኣል በሽር ክሲ ተመስሪቱ ከምዘሎ ማዕከናት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢረን።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0