ሱዳን፣ ሰለስተ መራሕቲ ተቓወምቲ ናብ ደቡብ ሱዳን ኣረኪባ

Radio Erena: 09 August 2022

ሱዳን፣ ንሰለስተ መራሕቲ ተቓወምቲ ደቡብ ሱዳን ናብ ጁባ መሊሳ።

እቶም ሜጀር ጀነራል ፑር ኡርዎፕ ኮል( Major General Pur Aruop Kuol) ሜጀረ ጀነራል ንዮን ጋራንግ ኮልን (Major General Nyuon Garang Kuol), ብርጋደር ጀነራል ጋትሉዋክ ማጅዮክ ለይን (Brigadier General Gatluak Majiok Liey) ዝተባህሉ ሰለስተ መራሕቲ ተቓወምቲ፣ ብሰንበት 7 ነሓሰ’ዮም፣ ፉላ ኣብ ዝተባህለ ቁሸት ብሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ተታሒዞም።

ንሳቶም፣ ስድራቤታቶም ንምርኣይ ካብ ደቡብ ሱዳን ናብ ሱዳን ምስ ሰገሩ፣ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ተኸታቲሎም ከምዝሓዝዎም እዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ኩሎም ኣባላት መሪሕነቱ ምዃኖም ዘረጋገጸ ህዝባዊ ምንቅስቓስ/ ሰራዊት ንሓርነት ደቡብ ሱዳን – SSPM/A ዝተባህለ ዕጡቕ ተቓዋሚ ውድብ፣ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ኣብ ጉዳያት ጸጥታ፣ ቱት ጋትሉክ ማኒን ንኣዘዝቲ ተወርዋሪ እዚ ሱዳን ጉቦ ብምኽፋል ከትሕዞም ከምዝኸኣለ ወቒሱ።

እቲ ኣማኻሪ ጸጥታ፣ ነዞም ሰለስተ መራሕቲ ተቓወምቲ ተኸታቲሉ ከትሕዞም ዝኸኣለ፣ ኮሚሽነር ምምሕዳር ማዮም ንዝነበረ ሓው፣ ጄምስ ጋትሉክ ማኒን፣ ብ22 ሓምለ ምስ ዓጀብቱ ኣብ መንበሪ ገዝኡ ብምቕታል ስለዝጠርጠሮም ምዃኑ እቲ ውድብ ኣሚቱ።

ንሱ፣ ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ሓዉ ኣብ ዘስምዖ ቃል፣ ጉዳይ ቅትለት ሓዉ ንምክትታል፣ ካብ ዝነበሮ መዝነት ኣማኻሪ ጉዳያት ጸጥታ ፕረዚደንት ክእለ ምውሳኑ’ዩ ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ሱዳን ንመራሕቲ ተቓወምቲ ደቡብ ሱዳን ናብ ጁባ ምርካቡ፣ ምስ ጸጥታን ሓባራዊ ሰላምን ብዝተሓሓዝ ኣብ ክልትኤን ሃገራት ዝተፈላለየ ሕቶታት ኣለዓዒሉ ይርከብ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0