ሱዳን፣ ምዕጻው ትካላትን ስራሕ ደው ናይ ምባልን ኣድማ ይቅጽል

Radio Erena: 10 June 2019

ካርቱም፣ ወትሃደራዊ ባይቶ ሱዳን፣ ስልጣኑ ናብ ሲቪላዊ መንግስቲ ከሰጋገር ዝጽውዕ፣ ምዕጻው ትካላትን ስራሕ ደው ናይ ምባልን ኣድማ ይካየድ ኣሎ።

እዚ ካብ ሰንበት 9 ሰነ ኣትሒዙ ዝቐጽል ዘሎ ኣድማ፣ ነታ ድሮ ብቁጠባ ተሃስያ ዘላ ሱዳን ብዝበኣሰ የዳኽማ ምህላዉ ተንተንቲ ቁጠባ የረድኡ።

ሓይልታት ጸጥታ ናይቲ ወትሃደራዊ ጉጅለ፣ ነቲ ዝካየድ ዘሎ ኣድማን ተቓውሞን ንምብታን ኣብ ዘካይድዎ ዘሎ ስርሒታት ብውሕዱ ኣርባዕተ ሰባት ቀቲሎም።

እቲ ወትሃደራዊ ጉጅለ፣ ብ3 ሰነ 110 ሰባት ብተመሳሳሊ መንገዲ ድሕሪ ምቕታሉ፣ ኣብታ ሃገር ብዝበኣሰ ኣድማ፣ ኣብ ውስጢ ትሽዓተ ኣዋርሕ ምርጫ ክካየድ ምውሳኑ ይዝከር።

ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ድሕሪ’ቲ ህይወት 10ታት ሰባት ዝቐዘፈ ስጉምቲ እቲ ወትሃደራዊ ጉጅለ፣ ንሱዳን ካብ ሕብረት ኣፍሪቃ ገሊሉዋ ይርከብ።

ህዝቢ ሱዳን ይኹን ሕብረት ኣፍሪቃ፣ እቲ ወትሃደራዊ ጉጅለ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ስልጣኑ ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ከሰጋር’ዮም ዝጽውዑ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0