ሱዳን፣ ምስ ኤርትራ ኣብ ዘዳውብ ዞባ ምብራቕ ሱዳን ዓቃብ ሰላም ሕ/ሃ ክዋፈር ጠለብ ኣቕሪባ

Radio Erena: 10 February 2020

መንግስቲ ሱዳን፣ ምስ ኤርትራ ኣብ ዘዳውብ ከባቢታት ምብራቕ ሱዳን ዝርከቦ ሓያሎ ዞባታት፣ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ክዋፈር ወግዓዊ ጠለብ ከምዘቅረበ መግለጺ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እቲ ብሰንበት 9 ለካቲት ዝተዋህበ መግለጺ፣ ሱዳን ነቲ ጠለብ ዘቕረበት ንምዕራፍ 6 ቻርተረት ናይ ሕቡራት ሃገራት ብምጥቃስ’ያ።

ኣፈኛ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን፣ ኤልናዚር ኣናዚር ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ እቲ ኣብ ዞባታት ምብራቕ ሱዳን፣ ብሉ ናይል፣ ዳርፉርን ደቡብ ኮርዶፋንን ክዋፈር ክዋፈር ዝድለ ዘሎ ዓቃብ ሰላም ሕቡራት ሃገራት፣ መስርሕ ሰላም ንምቕልጣፍ ዝዕንቅፉ ፖለቲካውያን ባእታታት ንምቑጽጻር ዝሕግዝ’ዩ።

ብዘይካ’ዚ፣ እቲ ናብ ሱዳን ዝዋፈር ዓቃብ ሰላም ሕቡራት ሃገራት፣ ክሳብ’ቲ ኣብ 2022 ዝካየድ ምርጫ እታ ሃገር፣ መሰጋገሪ መንግስቲ ቅዋም ንምትግባር ክከታተሎ’ዩ።

እንተኾነ፣ እቲ ዝዋፈር ዓቃብ ሰላም ሕቡራት ሃገራት፣ ሰራዊት ዘጠቓለለ ድዩ ወይ ብበርጌሳዊ ጉጅለታት ዝቖመ ብጽኑር ኣይተጠቕሰን።

መንግስቲ ሱዳን፣ ብፍላይ ኣብ ጉዳይ ምብራቕ ሱዳን ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ዝቐረበ ናይ ሽምግልና ተበግሶታት ክቕበሎ ከምዘይጸንሐ ዝጠቐሱ ሬድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ዲፕሎማሰኛታት ብወገኖም፣ ኣብ መወዳእትኡ ብምትእትታው ሕቡራት ሃገራት ንምፍትሑ ጠለብ ከምዘቕረበ ኣነጺሮም።

ኣብ እዋን ስርዓት በሺር፣ ኣብ 2005 ብመንጎኝነት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም መንግስቲ ሱዳን ተቓወምቲ ምብራቕ ሱዳንን፣ ነዊሕ ከይከደ ከምዝፈሸለ ኣይርሳዕን።

ብቀቢላታት ቤጃን ራሻይዳን ዝተዓበለለ ዞባ ምብርቅ ሱዳን፣ ብመንግስቲ ሱዳን ቆላሕታ ኣይረኸበን ብዝብል ክሳብ ብረታዊ ጎነጽ ዝኸደ ተቓውሞታት ከለዓዕል ምጽንሑ ይፍለጥ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0