ሱዳን፣ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘሰሓሕባ ዘሎ ጉዳይ ምህናጽ ዲጋ ተሃድሶ፣ ንሽምግልና ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከምእትቕበል ኣፍሊጣ

Radio Erena: 25 March 2021

ሱዳን፣ ብዛዕባ’ቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘሰሓሕባ ዘሎ ጉዳይ ኣጠቓቕማ ናይልን ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋ ተሃድሶን፣ ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንዝቐረበ ናይ ሽምግልና ተበግሶ ከምእትቕበል ኣፍሊጣ።

ካቢነ ሚኒስተራት ሱዳን ብሰሉስ 23 መጋቢት ድሕሪ ዘካየዶ ኣኼባ ኣብ ዘሕለፎ ውሳኔ’ዩ እታ ሃገር ነዚ ዘፍለጠት።

እቲ ካቢኔ፣ ብክኢላታትን ኣማኸርትን እቲ ጉዳይ ንዝቐረበ ሓሳብን ጸብጻባትን ድሕሪ ምስማዕ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንዘቕረበቶ እማመ ሽምግልና’ዩ ደጊፉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ኣቐዲሙ፣ ኣብቲ ዘሰሓሕብ ዘሎ ጉዳይ፣ ሕቡራት ሃገራት፣ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ሕብረት ኤውሮጳን ኣመሪካን ከም መንጎኛ ክሳተፉ ሓቲቱ’ዩ።

ግብጺ’ውን ንመርገጺ ሱዳን ብምድጋፍ፣ ኣብቲ ዝካየድ ስሉሳዊ ዘተ ራብዓይ ኣካል ክሳተፍ ከምእትድግፍ ኣፍሊጣ።

እንተኾነ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ጉዳይ ኣጠቓቕማ ዲጋ ተሃድሶ ዝመልኣሉ ኣገባባት ብዝምልከት፣ ካብ ሰለስቲኤን ሃገራት ወጻኢ፣ ካልእ ራብዓይ ወገን ክኣቱ ከምዘይትፈቅድ ትገልጽ።

ብጉዳይ ዶብ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ግጭት እትርከብ ሱዳን፣ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ወትሃደራውያን ፖለቲካዊን ጸቕጢ ንምፍጣር፣ ንጉዳይ ኣጠቓቕማ ናይል፣ ናብ ዘየርብሓ መኣዝን ተምርሖ ከምዘላ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይወቅስ።

=================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0