ሱዳን፣ መጠን ሸርፊ ዶላር ብኣስታት ዕጽፊ ንሂሩ

ሱዳን፣ መጠን ሸርፊ ዶላር ብኣስታት ዕጽፊ ንሂሩ

Radio Erena: 08 October 2018

Sudanese Pound

ኣጋጢምዎ ንዘሎ ቁጠባዊ ቅልውላውን ዝቕባበ ባጤራን መፍትሒ ስኢንሉ ዝርከብ መንግስቲ ሱዳን፣ ንመጠን ሽርፊ ዶላር ብኣስታት ዕጽፊ ኣዛይድዎ።

ሃገራዊ ባንክ ሱዳን ኣውጺእዎ ብዘሎ መግለጺ መሰረት፣ ንሓደ ዶላር ኣመሪካ 29 ፓውንድ ሱዳን ዝሽረፍ ዝነበረ ናብ 47.5 ፓውንድ ሱዳን ክብ ኢሉ ኣሎ።

እቲ ባንክ፣ ንመጠን ሸርፊ ዶላር ብኣስታት ዕጽፊ ክብ ዘበለሉ ምኽንያት፣ ነቲ ብጸላም ዕዳጋ ዝካየድ ዝነበረ ናይ ሸርፍን ሓዋላን መስርሕ ንምቁጽጻር ምዃኑ እንተተገልጸ፣ እቲ ናይ ወሰኽ ኣዋጅ ድሕሪ ምውጽኡ ሓደ ዶላር ኣመሪካ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ልዕሊ 48 ክትሽረፍ ጀሚራ ኣላ።

ሃገራዊ ባንክ ሱዳን ዝቕባበ ንምቑጽጻር ኣቐዲሙ፣ ሓድሽ ናይ 100 ናይ ወረቐት ባጤራ ብምሕታን ዘርጊሑ’ዩ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0