ሱዳን፣ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ንምቛም ምስ ሩስያ ዝኣተወቶ ውዕል ዳግመ ግምት ትገብረሉ ከምዘላ ገሊጻ

Radio Erena: 03 June 2021

መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን፣ ስርዓት በሺር ኣቐዲሙ ምስ ሩስያ ንዝኣተዎ ውዕል ምህናጽ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሱዳን፣ ዳግመ ግምት ይገብረሉ ከምዘሎ ኣረጋጊጹ።

ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ሱዳን፣ ጀነራል መሓመድ ዖትማን ኣል ሑሰን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፣ እቲ ኣቐዲሙ ዝተበጽሐ ስምምዕ፣ ንረብሓ ሱዳን ብዘቐድም መልክዑ ዳግመ ግምት ክግበረሉ ንቡር ምዃኑ ኣረዲኡ።

ፕረዚደንት ሱዳን ነበር፣ ዑመር ሓሰን ኣል በሺር ኣብ 2017 ናብ ሩስያ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን’ዩ፣ ነቲ ስምምዕ ምስ ፕረዚደንት እታ ሃገር ቭላድሚር ፑቲን ከቲምዎ።

እቲ ስምምዕ፣ ሩስያ ን25 ዓመታት ዝጸንሐ መደበር ሓይሊ ባሕሪ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ሱዳን ክህልዋ ዘፍቕድ ምዃኑ’ዩ ብወገን ሩስያ ተገሊጹ።

ኣርባዕተ መራኽብ ኵናት ክዕሽግ ዝኽእልን ኣብ ሕደ እዋን ድማ ኣስታት 300 ወትሃደራት ሩስያ ዝዕስክርሉን ክኸውን’ዩ ተመዲቡ ኔሩ።

እንተኾነ፣ ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት በሺር፣ ሱዳን ጠመትኣ ናብ ኣመሪካን ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳን ስለዝገበረት፣ ነቲ ምስ ሩስያ ኣቐዲማ ዝኸተመቶ ወትሃደራዊ ስምምዕ ዳግመ ግምት ትገብረሉ ምህላዋ ተንተንቲ የረድኡ።

======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0