ሱዳን፣ መማህራን ዩኒቨርሲቲ ተኣሲሮም

ሱዳን፣ መማህራን ዩኒቨርሲቲ ተኣሲሮም

Radio Erena: 13 February 2019

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ካብ ስልጣኑ ክእለ ዝጽውዕ ህዝባዊ ተቓውሞ ንካልኣይ ወርሒ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፣ ሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገር 14 መማህራን ዩኒቨርሲቲ ከምዝኣሰሩ ሮይተርስ ሓቢሩ።

እቶም መምህራን፣ ሓድሽ ማዕበል ተቓውሞ ንምውዳብ፣ ኣብ ቀጽሪ ዮኒቨርሲቲ ካርቱም ኣብ ዝተኣኻኸብሉ፣ ትማሊ ሰሉስ 12 ለካቲት’ዮም ተኣሲሮም።

ብ19 ታሕሳስ ዝጀመረ ህዝባዊ ተቓውሞ ሱዳን፣ ብደረጃ ሃገር ዝርከባ ከም ናይ መማህራን፣ ሓካይምን ካልኦት በርጌሳውያን ማሕበራትን ይሳተፍኦ ኣለዋ።

 ናህሪ ዋጋታት መሰረታውያን መግብታትን ከም ነዳዲ ዝኣመሰለ ሃለኽቲ ነገራት ዘበገሶ ህዝባዊ ተቓውሞ ሱዳን፣ ን30 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ ፕረዚደንት በሺር ክእለ’ዩ ዝጽውዕ ዘሎ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0