ሱዳን፣ ሓደ ካብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘራኽባ ዶባት መተሓላለፊ ጽኑዕ ሓለዋ ክካየድ መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፋ

Radio Erena: 06 March 2022
ሱዳን፣ ሓደ ካብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘራኽባ ዶባት ኣብ ዝኸፈተትሉ ክልተ መዓልታት ድሒሩ፣ ኣብቲ መተሓላለፊ ጽኑዕ ሓለዋ ክካየድ መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፋ።
ሱዳን፣ ንመስመር ጋላባት ብዕለት 2 መጋቢት እያ ንንግዲ ክፉት ገይራቶ። እንተኾነ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት 26 ደቀንስትዮ ዝርከብኦም ልዕሊ 50 ስደተኛታት ካብ ኢትዮጵያ ስለዝኣተዉዋ፣ ምስቶም ስደተኛታት ዝተመሳሰሉ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ከይህልዉ ንምቁጽጻር ብምባል እያ ነዚ ትእዛዝ ኣመሓላሊፋ።
ብመሰረት መንግስታውያን ማዕከናት ዜና ሱዳን ዝህቦኦ ዘለዋ ሓበሬታ፣ መስመር ጋላባት ምስ ተኸፍተ፣ ህዝብን ናይ ንግዲ ኣቑሑትን ክመሓላለፍ ምስ ምጅማሩ፣ ካብ ኣኽሱም ዝተበገሱ ምዃኖም ዝተገልጹ ስደተኛታት ብብዝሒ ክሰግሩ ከምዝጀመሩ ኣመልኪተን።
ኣካየድቲ ስራሕ ናይቲ ኣብቲ ዶብ ንስደተኛታት ዝቕበልን መሰረታዊ ኣገልግሎት ዝህብን መዓስከር ኣብ ዝሃብዎ ቃል፣ ነቶም ካብ ኢትዮጵያ ዝሰግሩ ውልቀሰባት፣ ኣብ እዋን ምምዝጋብ ጽኑዕ መርመራ ክካየደሎምን፣ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ዘይምዃኖም ከረጋግጹን፣ ካብቲ ግዚያዊ መንግስቲ ትእዛዝ ከምዝተዋህቦም ኣፍሊጦም።
ሓላፊ መዕቆብ ስደተኛታት ገዳርፍ ኣል-ፋትሕ መሓመድ መጋዳም ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ካብ ዞባታት ኣምሓራን ትግራይን ናይ ኢትዮጵያ ብዝሒ ዘለዎም ስደተኛታት ክቕበሉ ከምዝጸንሑ ኣፍሊጡ።
እዚ ብዕለት ክልተ መጋቢት ዝተኸፍተ ዶብ፣ ኲናት ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ግራይን ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን እዩ ከምዝዕጾ ተገይሩ። ኣብቲ እዋን’ቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን ንህወሓት ትሕግዝ ኣላ ዝብል ክስታት ብተደጋጋሚ የቕርብ ኔሩ’ዩ።
ሰበስልጣን ሱዳን ኣብ መወዳእታ፣ እዚ ጋላባት ዝተባህለ ዶብ መተሓላለፊ መስመር ክፉት ኮይኑ እንተቐጺሉ፣ ካብ ኢትዮጵያ ንዝውሕዙ ሓተትቲ ዑቕባ ሓላፍነት ክወስደሎም፣ ንተጸዋዒ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጻውዒት ገይሩ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0