ሱዳን፡ ብሰንበት ኣብ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ 123 ሰባት ቆሲሎም፤ ሓደ ሰብ ከኣ ሞይቱ

Radio Erena: 21 December 2021
ህዝባዊ ናዕቢ ሱዳን ብሰፊሑ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፣ ብሰንበት 19 ታሕሳስ ኣብ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ሓደ ሰብ ክቕተል እንከሎ፣ ብዉሑዱ 123 ሰባት ከኣ ከምዝቖሰሉ፣ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።
ማሕበር ሓካይም ሱዳን ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ ዝተቐትለ ወዲ 28 ዓመት መንእሰይ ኣብ ከባቢ ሻርዕ ኣ-ኒል ከምዝተረኽበ፣ ቁጽሪ ናይ ዝቖሰሉ ሰባት ካብ 123 ኣዝዩ ክብ ከምዝብልን፣ ካልኦት ቁጽሮም ብልክዕ ዘይተፈልጠ ከኣ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ከምዘለዉን ገሊጹ።
ኣብቲ ብኣማኢት ኣሽሓት ህዝቢ ዝተሳተፎ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ‘ንወተሃደራዊ መንግስቲ ንቃወም’፣ ‘ሲቪላዊ ምምሕዳር ናብ ቦትኡ ይመለስ’ ዝብሉ ጭርሖታት ብዓውታ ካብ ዝስምዑ ዝነበሩ ምዃኖም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ገሊጾም።
ኣብቲ ብሰንበት ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ህዝቢ ኣብ ኣፍደገ መንበሪ ፕረዚደንት ኮፍ ብምባል ክካየድ ተወጢኑ እኳ እንተነበረ፣ ሓይልታት ጸጥታ ዘንብዕ ጋዝን፣ ናይ ድምጺ ቦምባታትን ብምጥቃም ነቶም ሰልፈኛታት ከምዝበተንዎም ማዕከናት ዜና ሓቢረን።
ወሃብ ቃል ወተሃደራዊ መራሒ ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃን፣ ‘ህዝቢ ሕግታት ብምጥሓስ ሰላማዊ ሰልፊ እንተቐጺሉ፣ ኣብ ሱዳን ዘይጠፍእ ሓዊ ክውላዕ ይኽእል’ዩ’ ክብል ናይ መፈራርሂ ቃል ሂቡ።
እቲ ወተሃደራዊ ጉጅለ፣ ደሞክራስያዊ መንግስቲ ንምትካል እየ ዝቃለስ ክብል ብተደጋጋሚ ዝገልጽ እኳ እንተኾነ፣ ህዝቢ ሱዳን ግና እምነት ከምዘይብሉ እዩ ዝገልጽ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0