ሱዳን፡ መሓመድ ዳግሎ ማለት ሑመቲ፡ መንግስቲ ንምውራድ ኣብ ዝተኻየደ ዕልዋ ዝነበሮ ተሳትፎ ግጉይ ምንባሩ ተኣሚኑ

Radio Erena: 21 February 2023

ኣዛዚ ፈጣን ሓይልታት ረዲኤት ሱዳን ዝኾነ መሓመድ ዳግሎ ማለት ሑመቲ፡ ኣብታ ሃገር ሲቪላዊ መንግስቲ ንምውራድ ኣብ ዝተኻየደ ዕልዋ ዝነበሮ ተሳትፎ ግጉይ ምንባሩ ተኣሚኑ።

ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ዓብደል ፈታሕ ኣል ቡርሃን ኣባላት ፈጣን ሓይልታት ረዲኤት ምስ ሰራዊት ሱዳን ክጽንበሩ ከም ዘለዎም ድሕሪ ዝሃቦ ርእይቶ ስዒቡ፡ብቐዳም 19 ለካቲት እዩ ጀነራል ሙሓመድ ሑመቲ ግብረመልሲ ሂቡ።

ኣቦ ወንበር ናይቲ ንሱዳን ዝመርሕ ዘሎ ወተሃደራዊ ኮሚቴ ሑመቲ፡ እቲ ዝተኻየደ ዕልዋ ንትርፍራፍ ባእታታት ስርዓት ኣልበሽር ዘርብሕ ምንባሩ ብምግላጽ፡ ሰዓብቲ ኣልበሽር ዳግም ናብ ፖለቲካ ይመጹ ብምህላዎም ጥንቃቐ ክግበር ጸዊዑ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንዝተፈረመ መሰጋገሪ ስምምዕ ደገፉ ዘነጸረ ሑመቲ፡ እቲ ስምምዕ ክዉን ንኽኸውን ዝከኣሉ ከም ዝጽዕር ቃል ኣትዩ። ንሱ ብተወሳኺ፡ሰራዊቱ ኣካል ሰራዊት ሱዳን ምዃኑን፡ ቀስ ብቐስ ንዝግበር መስርሕ ምጽንባር ከም ዝድግፍን ሓቢሩ።

ኣብ ሱዳን ሲቪላዊ መንግስቲ ንምምጻእ ዝተፈላለየ ኣህጉራዊ ጸቕጥታት’ኳ ይግበር እንተሎ፡ ወከልቲ ሲቪላዊ ማሕበረሰብ ክሳብ ሕጂ ኣብ ስምምዕ ብዘይምብጽሖም፣ እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ምምሕዳር ክትጸንሕ ምግዳዳ ይፍለጥ።

ንጉዳይ ሱዳን ብቐረባ ዝከታተሉ ተንተንቲ ከም ዝገልጽዎ፡ ናይ ሑመቲ ጣዕሳ ካልእ ሕቡእ ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ክህልዎ ከም ዝኽእል ይእምቱ። ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ኣል ቡርሃንን ሑመትን ዝጸንሐ ዝምድና ይሕርፍፍ ምህላዉ ዝገልጹ እቶም ተንተንቲ፡ እዚ ናይ ሕጂ መደርኡ ጸግዒ ሲቪላዊ መንግስቲ መሲሉ ንኽርአን፡ ንኣልቡርሃን ንምድኻምን ዝገበሮን እዩ ይብሉ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0