ሱዳንን ግብጽን ዘሰሓሕበን ኣብ ዘሎ ጉዳይ ገያሾን ቪዛን ብዝምልከት ዘትየን

ሱዳንን ግብጽን ዘሰሓሕበን ኣብ ዘሎ ጉዳይ ገያሾን ቪዛን ብዝምልከት ዘትየን

Radio Erena: 09 November 2017

sudan and egyptሓባራዊ ቆንስላዊ ኮሚቴ ሱዳንን ግብጽን ንክልቲኤን ሃገራት ዘሰሕሕብ ዘሎ ጉዳይ ገያሾን ቪዛን ብዝምልከት ዘትዩ።

ኣብቲ ብተሓጋገዝቲ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ክልትኤን ሃገራት ተመሪሑ፣ ካብ 4 ክሳብ 7 ሕዳር ዝተኻየደ ኣኼባ፣ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ግብጻውያን ኣንቢራቶ ዘላ ናይ ቪዛን መንበሪ ፍቓድን መሰናኽላት ክትኣልዮ ኣብ ዝብል ነጥቢ ተዘራሪቦም።

 

ግብጺ ንተቓወምቲ ሱዳን ትድግፍ ኣላ ክብል ዝወቐሰ መንግስቲ ሱዳን፣ ግብጻውያን ናብ ሃገሩ ብዘይቪዛ ክኣትዉ ዝፈቅድ ንዝነበረ ሕጊ ከምዘቐየሮ ይዝከር።

ድሕሪ’ዚ ሓድሽ ሕጊ፣ ግብጺ’ውን ንሱዳናውያን ገያሾ ኣብ ካይሮ ተከላብት ከምዘላ’ዩ ክግለጽ ጸኒሑ።

ክልቲኦም መንግስታት ዘሰሓሕቦም ጉዳያት ብምእላይ፣ ዝምድንኦም ናብ ንቡር ንምምላሱ ድሕሪ ዝወሰድዎ ተበግሶ፣ ሓባራዊ ቆንስላዊ ኮሚተ ብምቛም ነቲ ናይ ገያሾን ቪዛን ጉዳይ ንምፍታሕ ቀዳምነት ሂቦም ይሰርሕሉ ኣለዉ።

ዓመታዊ 10ታት ኣሽሓት ገያሾ ካብን ናብን ሱዳንን ግብንጽ ብንግድን ካልእን ምኽንያታትን ከምዝንቀሳቀሱ ጸብጻባት ካብ ካይሮ ይሕብሩ።

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0