ሱዳንን ግብጽን ኣብ ጉዳይ ምንቅስቓስ ዜጋታተን ሓድሽ ስምምዕ ከቲመን

Radio Erena: 16 May 2017

Sudan Egy visa

ብጉዳይ ምንቅስቓስ ዜጋታተን ክሰሓሓባ ዝጸንሓ ሱዳንን ግብጽን ሓድሽ ስምምዕ ከምዝኸተማ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሓቢሩ።

ሱዳንን ግብጽን ኣብ ስምምዕ ክበጽሓ ዝኸኣላ፣ ወከልቲን ኮሚተ ቆንስልን ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ካይሮ ድሕሪ ዘካየድዎ ኣኼባ’ዩ።

ብመሰረት እዚ ሓድሽ ስምምዕ፣ ዲፕሎማስያዊ ወይ ከኣ ፍሉይ ፓስፖርት ንዝሓዙ ዜጋታት ክልትኤን ሃገራት፣ ብዘይ ቪዛ ካብን ናብን ክንቀሳቐሱ ዝፈቅድ’ዩ።

ደቂ’ንስትዮን ትሕቲ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑን’ውን ካብ ቪዛ ናጻ’ዮም።

ብዘይካ’ዚ’ውን ናይ ኣመሪካ፣ ካናዳ፣ ሃገራት ኤውሮጳን ወሽመጥ ዓረብን ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ዜጋታት ክልቲኤን ሃገራት ናብ ሱዳን ይኹን ግብጺ ብዘይ ቪዛ ክኣትዉ ከምዝኽእሉ እቲ ሓድሽ ስምምዕ የነጽር።

ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ ርክብ ወከልቲ ክልቲኤን ሃገራት፣ ግብጺ ኣብቲ ምስ ሱዳን ዘሰሓሕብ ክፋል ዶብ፣ ኣብ 2015 ዝቐየደቶም ኣብ ባህላዊ ዕደና ተዋፊሮም ዝነበሩ 37 ሱዳናውያን ምሕረት ድሕሪ ምግባራ፣ ተሃጊሩ ዝርከብ ምሉእ ንብረቶም’ውን ክትመልሰሎም መብጽዓ ከምዝኣተወት ማዕከን ዜና ኣል ኣሕራም ሓቢሩ።

ዘሰሓሕበን ዘሎ ዶባዊ ጉዳይ ዋንነት ዞባ ሓላይብ ብሰለማዊ መንገዲ ክፈትሓ ዘይክኣላ ሱዳንን ግብጽን፣ ንዝጸንሐን ዲፕሎማስያዊ ርክባት ብኣሉታ ከምዝጸለዎን፣ ብሰንኩ ድማ መንግስቲ ሱዳን ንዜጋታት ግብጺ ብዘይ ቪዛ ናብ ሃገሩ ክኣትዉ ዘፍቅድ ካብ 2004 ኣትሒዙ ኣብ ግብጺ ዝጸንሐ ኣዋጅ ዝሓለፈ ወርሒ ከምዝሰረዞ ኣይርሳዕን።

=========

COMMENTS

WORDPRESS: 0