ሱዳንን ግብጽን ኣብ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ ዘተኮረ ዘተ ኣካይዳን

ሱዳንን ግብጽን ኣብ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ ዘተኮረ ዘተ ኣካይዳን

Radio Erena: 26 November 2018

Egyptian General

ብሚኒስተር ምክልኻል ጀነራል መሓመድ ዛኪ ዝምራሕ ላዕለዋይ ወትህደራዊ ልኡኽ ግብጺ ኣብ ሱዳን ምብጻሕ የካይድ።

እቲ ወትሃደራዊ ልኡኽ ብቀዳም 24 ሕዳር ናብ ካርቱም ድሕሪ ምእታው፣ ምስ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽርን ካልኦት ላዕለዋት ሓለፍቲ ሚኒስትሪ ምክልኻልን ብምርኻብ፣ ኣብ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድን ስልጠናን ዘተኮረ ዘተ ከምዘካየደ ተገሊጹ።

ንሳቶም፣ ኣብ ርክቦም፣ ኣብ ህሉው ወትሃደራዊ ኩነታት ዞባኦምን ኣፍሪቃን ድሕሪ ምዝርራብ፣ ክልቲኤን ሃገራት፣ ኣብ ጸጥታ’ውን ብሓባር ከስርሖም ኣብ ዝኽእል ጉዳያት ከምዝተመያየጡ መርበባት ሓበሬታ ግብጺ ኣገንዚበን።

ሱዳን፣ ግብጽን ሊብያን ብዶባተን ንዝካየድ ዘሎ ዘይጋዊ ምስግጋርን ደቂ ሰብን ኣጽዋርን ንምግታእ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ኣሃዱታት ንምውፋር መደብ ከምዘለወን’ዩ ዝግለጽ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0