ሱዳንን ግብጽን፣ ኣብ ዶባተን ዝፍጸም መሸጣን ምስግጋርን ደቂ ሰብ ንምግታእ ተወሳኺ ስምምዕ የካይዳ

ሱዳንን ግብጽን፣ ኣብ ዶባተን ዝፍጸም መሸጣን ምስግጋርን ደቂ ሰብ ንምግታእ ተወሳኺ ስምምዕ የካይዳ

Radio Erena: 28 July, 2018

Al bA Al si

ሱዳንን ግብጽን፣ ኣብ ዶባተን ዝካየድ ዘሎ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን መሸጣን ደቂ ሰብ ንምግታእ ዘኽእለን ተወሳኺ ስምምዕ ከካይዳ ምዃነን ገሊጸን።

እዘን፣ ብዘይሕጋዊ ምስግጋርን መሸጣን ደቂ ሰብ ሁማን ትራፊኪንግ ግኑን ስም ዘለወን ጎረባብቲ ሃገራት፣ ነዚ ተወሳኺ ስምምዕ ከካይ ምዃነን ዝግልጻ ዘለዋ፣ ብሚኒስተር ንግዲ ሱዳን ሙስጠፋ ዑስማን እስማዒል ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ሱዳን ብቀዳም 26 ሓምለ ኣብ ግብጺ ከተማ ካይሮ ዑደት ብምክያድ ምስ ዝተፈላለዩ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ኣብ ዝተራኸበሉ እዋን’ዩ።

 

ሚኒስተር ሙስጠፋ ምስ ሚኒስተር ምክልኻል ግብጺ ሌ.ጀነራል ሲዲቕ ሱብሒ ኣብ ዝተራኸበሉ፣ ካብ መዘንኡ ሚኒስተር ምክልኻል ሱዳን ዓብደልርሒም መሓመድ ሑሰን ዝተላእከ ደብዳቤ’ውን ኣብጺሑ።

ነቲ ኣብ ዶብ ክልትኤን ሃገራት ዝካየድ ዘሎ ዘይሕጋዊ ምስግጋርን መሸጣን ሰባት ንምግታእን ካልእ ንጸጥታን ወትሃደራዊ ኩነታትን ዝምልክተ ተወሳኺ ስምምዓት ንምክያድ ሚኒስተር ምክልካል ሱዳን ኣብዚ ቀረባ ናብ ግብጺ ዑደት ከካይድ ምዃኑ’ውን ኣብቲ ኣጋጣሚ ተገሊጹ።

ኣቐዲሙ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደላ ፋታሕ ኣል ሲሲ፣ ናብ ሱዳን ሓጺር ዑደት ከምዘካየደ ዝዝከር ኮይኑ፣ ክልቲኦም መንግስታት ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳያት ስምምዓት ከካይዱ ምዃኖም ሓቢሮም’ዮም።

ሓደ ካብቲ ቀንዲ ስምምዓት ድማ ኣብቲ ኣሽሓት ኤርትራውያን ግዳይ ዝገብር ዘሎ ዘይሕጋዊ መሸጣን ምስግጋርን ደቂ ሰብ ንምግታእ ዝዓለም’ዩ።

ኣብ ዶብ ሱዳንን ግብጽን ተጨውዮም ኣብ ሲናይ ኣማኢት ኤርትራውያን ዜጋታት ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራትን ማእለያ ዘይብሉ በደልን ግፍዕታትን ክወርዶም ከምዝጸንሀ ዝፍለጥ እኳ እንተኾነ፣ እዞም ክልተ መንግስታት ዝኾነ ስጉምቲ ክወስዱ ኣይጸንሑን።

ጉዳይ ሲናይ ኣህጉራዊ ኣተኩሮ ኣብ ዝረኸበሉ እዋን፣ መንግስታት ግብጽን ሱዳንን ከቢድ ነቐፌታ ክወርዶም ኣብ ዝጀመረሉ ድማ፣ ነቲ ኣብ ዘመና ሓደ ካብ ኣሰቓቒ ተግባራት ዝኾነ ምጭዋይ ምሻጥን ስደተኛታት ንምግታእ ተበግሶታት ክወስዱ ይርኣዩ ኣለዩ።

ሱዳንን ግብጽን ብዘይካ’ዚ ናይ ዶብ ምስግጋርን መሸጣን ስደተኛታት፣ ኣብ ጉዳይ እቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘሰሓሕቦም ዘሎ፣ ጉዳይ ናይልን ምህናጽ ዲጋ ሚልዮንዮምን’ውን ተወሳኺ ዝርርብ የካይዱ ምህላዉ’ዩ ዝግለጽ።
==================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0