ሱዳንን ኤርትራን ኣብ ጉዳይ ቀቢላዊ ግጭታት ምብራቕ ሱዳን ከምዝተመያየጣ ዲፕሎስያውን ምንጭታት ኣንፊቶም

Radio Erena: 08 September 2020

መራሕቲ ኤርትራን ሱዳንን፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ምስ ኤርትራ ኣብ ዘዳውብ ዞብ ምብራቕ ሱዳን፣ ተጎሃሂሩ ብዛዕባ ዘሎ ቀቢላዊ ግጭታት ብዝምልከት ከምዝተመያየጡ ዲፕሎማስያውን ምንጭታት ኣተንቢሆም።

እቲ ዘተ ዝተኻየደ፣ ብፕረዚደንት ሉኣላዊ ባይቶ ሱዳን፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን ዝምራሕ ላዕለዋይ ወኪል መንግስቲ ብ7 መስከረም ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ዘካየዶ ምብጻሕ’ዩ።

ኣብ ምብራቕ ሱዳን፣ ከባቢታት ከሰላ ኣብ መንጎ ቀቢላታት ቤን ዓምርን ሃደንዳዋን ብዝተጎሃሃረ ግጭት፣ ህይወት ሓያሎ ሰባት ቀቲሉ’ዩ።

ቤን ዓምርን ሃደንደዋን፣ ኣብ ኤርትራ፣ ትግረን ሕዳርብ ወይ ድማ ብዳዌትን እናተባህሉ’ዮም ዝፍለጡ።

ጀነራል ኣል ቡርሃን ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፣ ብዘይካ’ቲ ናይ ምብራቕ ሱዳን ጉዳይ፣ ኣብቲ ንኢትዮጵያ ግብጽን ሱዳንን ዘሰሓሕብ ዘሎ ኣጠቓቕማ ናይል ብዝምልከት’ውን ከምዝዘተዩ እቲ ምንጪ ኣንፊቱ።

መራሕቲ ሱዳንን ኤርትራን፣ ኣብ ክልትኣውን ዞባውን ጉዳይ ዘተኮረ ዘተ ከምዘካየዱ ብመንግስታውያን ማዕከናት ዜና ኤርትራን ሱዳንን እኳ እንተተቓልሐ፣ ዘተኮርሎም ነጥብታት ኣይጠቐሳን።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ሱዳን ብምብጻሕ ምስ ጀነራል ኣልቡርሃንን ካልኦት ላዕለዎት ሰበ ስልጣን እታ ሃገርን ብምርኻብ ተመሳሳሊ ዘተ ኣካይዶም’ዮም።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0