ሱዳንን ኢትዮጵያን፣ ኣብ ጉዳይ ‘ቲ ኣብ ዶባተን ዝተወልዐ ግጭት ሓረስቶት ዘትየን

ሱዳንን ኢትዮጵያን፣ ኣብ ጉዳይ ‘ቲ ኣብ ዶባተን ዝተወልዐ ግጭት ሓረስቶት ዘትየን

Radio Erena: 06 July 2018

Sudan Ethiopia border talks

ሱዳንን ኢትዮጵያን፣ ኣብ ዶባተን ዝተኻየደ ግጭት ሓረስቶት ብሰለማዊ መንገዲ ንምፍትሑ ዘኽእል ባይታ ንምጥጣሕ ዝዓለመ ዘተ ኣካይደን።

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብ4 ሓምለ ናብ ካርቱም ድሕሪ ምምርሑ ምስ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽርን ካልኦት ሰበ ስልጣን እታ ሃገርን ተዘራሪቡ።

እቲ ልኡኽ ካብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝተላእከ ደብዳቤ’ውን ነቲ ፕረዚደንት ኣረኪቡ።

ኣብቲ ኣብ ዶብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝርከብ ሰፊሕ ናይ ሕርሻ ዞባ ኣልፋሽጋ፣ ሓረስቶት ክልትኤን ሃገራት ብዘካየድዎ ቶኽሲ ሓያሎ ሰባት ግዳያት ሞትን መቑሰልትን ኮይኖም’ዮም።

 

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0