ሱዳንን ኢትዮጵያን፣ ኣብ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ስትራቴጂ ይዝትያ

ሱዳንን ኢትዮጵያን፣ ኣብ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ስትራቴጂ ይዝትያ

Radio Erena: 28 February 2018

sudan ethiopia

ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ስትራቴጂ ይዝትያ ምህላወን ምንጭታት ዜና ካብ ካርቱም ሓቢረን።

እቲ ብሰኑይ 26 ለካቲት ኣብ ከተማ ካርቱም ዝተኸፍተ ዘተ፣ ክልቲኤን ሃገራት ብፖለቲካውን ወትሃደራውን መዳይ ኣብ ምውሓስ ጸጥታን ሰላምን ክገብሮ ዝኽእላ ኣበርክቶ ዘተኮረ’ዩ።

ብወገን ኢትዮጵያ፣ ብምክትል ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት እታ ሃገር ሊዩተናንት ጀነራል ኣዳም መሓመድ ዝመርሖ ወትሃደራዊ ልኡኽ ክሳተፍ እንከሎ፣ ብወገን ሱዳን ከኣ ምክትል ሓለቓ ስታፍ ክፍሊ ታዕሊም ሓይሊ ምድሪ፣ ሊዩተናትን ጀነራል ሻምስ ኣል ዲን ካባሺ ኢብራሂም ዝመርሖ ወኪል ሰራዊት ሱዳን’ዩ ዝሳተፍ ዘሎ።

እዚ ዝካየድ ዘሎ ወትሃደራዊ ዘተ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣካል ናይቲ ኣቐዲሙ ዝተበጽሐ ስምምዓት’ዩ።

ሱዳንን ኢትዮጵያን፣ ኣብ ወትሃደራዊ መዳይ ብሓባር ክሰርሓን፣ ጸጥታ ዶባተን ንምውሓስ ሓባራዊ ሰራዊት ንምውፋር ዘኽእለንን ሓያሎ ስምምዓት ከምዝኸተማ ይዝከር።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0