ሱዳንን ኢትዮጵያን፣ ሓባራዊ ኣሃዱ ምክትታል ዶባት ንምቋም ይሰማምዓ

ሱዳንን ኢትዮጵያን፣ ሓባራዊ ኣሃዱ ምክትታል ዶባት ንምቋም ይሰማምዓ

Radio Erena: 10 March 2016

Su Eth Bor

መንግስታት ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ዶባቶም ንዝርአ ጸጥታዊ ጉዳያት ብሓባር ንምፍታሕ ተወሳኺ መብጽዓታት ይኣትዉ።

ሚኒስተራት ምክልኻል ክልቲኤን ሃገራት ብሰኑይ 7 ለካቲት ኣብ ካርቱም ኣብ ዘካየድዎ ዝርርብ፣ ነቲ ኣቐዲሙ ብሓባራዊ ቴክኒካዊ ኮሚቴ ኢትዮ-ሱዳን ዝተብጽሐ ስምምዓ ንምትግባር ድሉዋት ምዃኖም ኬምዝገለጹ፣ ማዕከናት ዜና ካብ ሱዳን ሓቢረን።

ሚኒስተር ምክልኻል ሱዳን ዓዋድ ኢብን ዓውፍ፣ ድሕሪ’ቲ ምስ ኢትዮጵያዊ መዘንኡ ዘካይዶ ዝርርብ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ኣብ ዶባት ሱዳንን ኢትዮጵያን ካብ ክልትኤን ሃገራት ዝተዋጽአ ናይ ሓለዋ ኣሃዱ ክቐውም ዘለዎ ደገፍ ኣረጋጊጹ።

 

ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ሲራጅ ፈጌሳ ብወገኑ፣ ምስ ሱዳን ዘዳውብ ከባቢታት ብሳላ ሓባራዊ ጻዕሪ ክልትኤን ሃገራት ውሕሱ ከምዘሎ ብምምልካት፣ ንመጻኢ ዝያዳ ውሑስ ንምግባሩ ወትሃደራዊ ስልጠናትን ክኢላታትን ክለዋወጡ ምዃኖም ኣፍሊጡ።

ክልቲኤን ጎረባብቲ ሃገራት፣ ብወገን ገዳርፍ ናይ ሱዳንን ክልል ኣምሓራ ናይ ኢትዮጵያን ኣብ ዘሎ ዶባት ክስሓሓባ ምጽንሐን ይፍለጥ።

ብፍላይ 250 ትርብዒት ኪሎሜተር ዝሽፍን ሰፊሕ ናይ ሕርሻ ከባቢታት ኣል ፋሻጋ፣ ብሰንኪ ዋንነቱ ዝምልከት ብ መንጎ ሓረስቶት ሱዳንን ኢትዮጵያን ተደጋጋሚ ግጭት ክካየደሉ ጸኒሑ’ዩ።

ኢትዮጵያ ነቲ ምስ ሱዳን ዘሳሓሕባ ዘሎ ዶባት ንምምልካቱን ድልውቲ ምህላዋ ድሕሪ ምግላጻ፣ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰፊሕ ክፋል መሬት ንሱዳን ይህብ ኣሎ ክብሉ ተቓወምቲ ሓይልታት እታ ሃገር ምዕዝምዛማት ኣብ ምስማዕ ይርከቡ።

=======================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0