ሱዳንን ቀጠርን፣ ዛሕቲሉ ዝጸንሐ ዝምድንአ ንምሕዳስ ስምሞ ከቲመን

Radio Erena: 19 April 2021

ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት በሺር፣ ዛሕቲሉ ዝጸንሐ ዝምድና ሱዳንን ቀጠርን፣ ዳግም ንምሕዳሱ ስምምዕ ከቲመን።

እዘን ክልተ ሃገራት፣ ዝምድንአን ንምሕዳስ ልዕሊ 36 ናይ ፕሮቶኮል ስምምዓት ዝኸተማ፣ ኣቦ መንበር መሰጋጋሪ ባይቶ ሱዳን፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ቀጠር ድሕሪ ዘካየዶ፣ ፈላሚ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ’ዩ።

ጀነራል ኣል ቡርሃን ምስ ኣሚር ቀጠር፣ ታሚም ቢን ሓማድ፣ ኣብ ከተማ ኣዶሓ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፣ ሱዳንን ቀጠርን ኣብ ንግድን ወፍርን ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ካልእ መዳያት ዝተሓጋገዛሉ ነጥብታት’ውን ዘትዩ።

ቀጠር ኣብ ሱዳን ናይ ልዕሊ 3 ቢልዮን ዶላር ወፍሪ ከምዘለዋ ይፍለጥ።

ኣብ መንጎ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ተፈጢሩ ኣብ ዝጸንሐ ምክፍፋል፣ ስርዓት በሺር፣ ኣብ ሚያዝያ 2019 ካብ ስልጣን ክሳብ ዝእለ፣ ጸግዒ ከይሓዘ ምስ ስዑዲ ዓረብን ቀጠርን ብማዕረ ዝምድንኡ ቀጺሉ።

ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት በሺር፣ ኣብ ስልጣን ዝመጸ ወትሃደራዊ ጉጅለ፣ ዝምድንኡ ናብ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ብምዝዛው፣ ንቀጠር ጎስዩዋ ጸኒሑ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ዝምድንኡ ምስ ቀጠር ከሐድስ ዝወሰነ መሰጋገሪ ባይቶ ሱዳን፣ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘሰሓሕብ ዘሎ ኣጠቓቕማ ናይልን ካልእ ዞባዊ ጉዳያትን ብዝምልከት ምስ ቀጠር መኺሩ።

ምስ ቀጠር ዝነበሮ ዝምድና ኣዛሕቲሉ ዝርከብ መንግስቲ ኤርትራ፣ ንስርዓት በሺር ምስ ንግስነት ቀጠር ብምዃን ውዲታት ይኣልመለይ ኣሎ ብምባል ይወቕሶ ምንባሩ ይዝከር።
=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0