ሱዳንን ስዑዲ ዓረብን ብዛዕባ ህሉው ኩነታት የመንን ዞባ ወሽመጥን ዘትየን

ሱዳንን ስዑዲ ዓረብን ብዛዕባ ህሉው ኩነታት የመንን ዞባ ወሽመጥን ዘትየን

Radio Erena: 03 January 2018

saudi sudan

ሱዳንን ስዑዲ ዓረብን ብዛዕባ ህሉው ኩነታት የመንን ዞባ ወሽመጥን ከምዝዘተያ ማዕከናት ዜና ዓረብ ሓቢረን።

ብምክትል ሚኒስተር ምክልኻል መሓመድ ቢን ዓብዱላህ ዝምራሕ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ስዑዲ ዓረብ ብ30 ታሕሳስ ኣብ ካርቱም ኣብ ዘካየዶ ምብጻሕ፣ ምስ ፕረዚደንት በሺርን ሚኒስተር ምክልኻል ሱዳን ጀነራል ዓዋድ ኢብ ዖውፍ ኣብ ዘካየዶ ርክብ’ዩ ብዛዕባ ወትሃደራውን ጸጥታውን ኩነታት የመን ዝዘተየ።

ኣስታት ሓደ ሽሕ ሰራዊታ ኣብ ጎኒ’ቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ሓይልታት ልፍንቲ ወሽመጥ ዓረብ፣ ኣብ የመን ኣዋፊራ እትርከብ ሱዳን፣ ሰራዊታ ካብ የመን ከምዘይትስሕብን ኣብ ጎኒ’ቲ ብስዑዲ ዝምራሕ ልፍንቲ ደው ኢላ ክትቅጽል ምዃናን ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣረጋጊጻ።

 

ሱዳን ነዚ ተረጋግጽ ዘላ፣ ምስ ቀጠር ዘለዋ ጥቡቕ ዝምድና ከምዘይትበትኽ ብምርግጋጻን ምስ ቱርኪ ድማ ወትሃደራዊ ምሕዝነት ምጅማራን ካብቲ ናይ ስዑዲ ልፍንቲ ክትስሕብ’ያ ዝብል ወረ ኣብ ዝጋዋሓሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ሱዳን ድሕሪ ምምይያጡ፣ ስዑዲ ዓረብ ናብ ባንክታት ሱዳን እትልእኮ ናይ ወጻኢ ባጤራ ክትቅጽሎ ከምዝወሰነት ኣፍሊጣ።

ኣመሓደርቲ ባንክታት ሱዳንን ስዑዲ ዓረብን ኣብዚ ጉዳይ ብምትኳር ኣብ ዘካየድዎ ዘተ፣ ስዑዲ ዓረብ ኣማኢት ሚልዮናት ዶላራት ናብ ማእከላይ ባንክ ሱዳን ከተመሓላልፍ’ያ።

እዚ ናይ ስዑዲ ውሳኔ፣ ነታ ብቅልውላው ባጤራ ተሃስያ እትርከብ ሱዳን ተዛማዲ ዕረፍቲ ክፈጥረላ ትጽቢት ኣሎ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0