ሱዳናዊ ስደተኛ፣ ኣብ ፈረንሳ ብናይ ካራ መጥቃዕቲ ክልተ ሰባት ቀቲሉ ሰለስተ ብኸቢድ ኣቝሲሉ

Radio Erena: 04 April 2020

33 ዓመት ዝዕድሚኡ ሱዳናዊ ስደተኛ፣ ሎሚ ቀዳም 04 ሚያዝያ፣ ኣብ ደቡባዊ ፈረንሳ ብዘካየዶ ናይ ካራ መጥቃዕቲ ክልተ ሰባት ክቐትል እንከሎ ብውሕዱ 7 ሰባት ድማ ኣቝሲሉ።

ሰለስተ ካብቶም ዝቖሰሉ ከቢድ ጉድኣት በጺሕዎም ኣብ ኣፍ ሞት ከምዝርከቡ ፖሊስ ፈረንሳ ሓቢሩ።

ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳ ብዝሃቦ መግለጺ መሰረት፣ እቲ ካብ ጥሪ 2017 ኣትሒዙ ኣብ ፈረንሳ ዑቕባ ተዋሂብዎ ክነብር ዝጸንሐ ሱዳናዊ፣ ድሮም ኣብ ዝተባህለ ዞባ ደቡባዊ ፈረንሳ እትርከብ፣ ሮማ ሱር ኢሰር ኣብ ዝተባህለት ንእሽቶ ከተማ፣ ኣብ ኣፍደገ መሸጣ ሕብስቲ ተሰሪዖም ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ሰባት’ዩ ብሃንደበት “ኣላህ ዎ ኣክበር” እናበለ ናይ ካራ መጥቃዕቲ ኣካይዱ።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳ፣ ክሪስቶፍ ካስትነር ናብታ መጥቓዕቲ ዝተኻየደሉ ከተማ ድሕሪ በጺሑ።

ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን ብወገኑ፣ ኣብዚ በዳሂ ናይ ለበዳ ኮረና ቫይረስ እዋን ከምዚ ዓይነት መጥቓዕቲ ምፍጻሙ ከምዘሕዘኖ ብምጥቃስ ንግዳያት ጽንዓት ይሃብኩም ኢሉ።

ኣብ ፈረንሳ ብሰንኪ ምስፍሕፋሕ ሕማም ኮረና ቫይረስ፣ ብዘይካ ንሸመተ መግቢን መድሃኒትን ካልእ ዘየድሊ ምንቕስቓስ ብጽኑዕ ተኣጊድሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ባኒ ይኹን ካልእ መግብታት ንምሽማት፣ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ክልተ ሜትሮ ተረሓሒቑ ክስርዕ ከምዘለዎ ተኣዊጁ ይርከብ።

እቲ ሱዳናዊ ስደተኛ ድማ ከምዚ ተረሓሒቖም ተሰሪዖም ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ሰለማውያን ሰባት መጥቓዕቲ ድሕሪ ምክያዱ ብኡ ንብኡ’ዩ ተታሒዙ።

ምስቲ ሱዳናዊ ርክብ ክህልዎም ዝኽእል ክልተ ሰባት’ውን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ።

ፈረንሳ ምስ ውሸባ ናይ ኮረና ቫይረስ ተተሓሒዙ ኣስታት 160 ሽሕ ኣባላት ፖሊስን ሰራዊትን ኣዋፊራ ከምዘላ ይፍለጥ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0