ሰኔጋል፣ ሰራዊታ ናብ ዶብ የመን ክትልእኽ ምዃና ኣፍሊጣ

ሰኔጋል፣ ሰራዊታ ናብ ዶብ የመን ክትልእኽ ምዃና ኣፍሊጣ

Radio Erena: 06 May 2015

Saudi Senegal

ሰኔጋል፣ ነቲ ብስዑዲ ዓረብ ተመሪሑ ኣብ የመን ዝካየድ ዘሎ ወትሃደራዊ ወፍሪ ብምድጋፍ፣ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ስዑዲ ዓረብ ዝስለፍ 2100 ወትሃደራት ናብ የመን ንምውፋር ድልውቲ ምህላዋ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኣ እታ ሃገር ማንኩዌር ንዲያየ ኣረጋጊጹ።

እቲ ሚኒስተር ኣብ መግለጺኡ ሃገሩ ናብቲ ምስ የመን ዘዳውብ ከባቢታት ሰራዊት እተዋፍር ዘላ፣ ስዑዲ ዓረብ ብዘቕረበትሎም ጠለብ ምዃኑ ጠቒሱ።

ነቲ ብስዑዲ ዓረብ ተመሪሑ ኣብ የመን ኣንጻር ሑቲ ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕቲ ብምሉአን ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ፣ ሞሮኮ፣ ሱዳን፣ ግብጺ፣ ዮርዳኖስ፣ ፓኪስታንን ጅቡትን ክጽንበርኦ እንከለዋ፣ ናብቲ ዞባ ኣጋር ሰራዊት ንምልኣኽ ትሸባሸብ ዘላ ቀዳመይቲ ሃገር ግና ሰኔጋል ምዃኑ ይዝረብ ኣሎ።

 

ኣመሪካ፣ ብሪጣንንያን ፈረንሳ’ውን ነቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝተመርሐ ወትሃደራዊ ምትእክኻብ ሎጂስቲካውን ስለያውን ሓገዝ ኣብ የበርክታ ምህላወን ይፍለጥ።

ሓያሎ ወገናት፣ ሰኔጋል ናብ የመን ሰራዊታ ተዋፍር ዘላ፣ ካብ ስዑዲ ዓረብ ገዚፍ ፊናንስያዊ ሓገዝ ክወሃባ ምዃኑ መብጽዓ ስለዝተኣትወላ’ዩ ክብሉ እንከለዉ፣ ካልኦት ድማ እታ ብእምነት ሱና እትምራሕ ሰኔጋል ኣንጻር ኣመንቲ ሺዓ ሃይማኖታዊ ኵናት ንምክያድ ጥራይ ትብገስ ምህላዋ’ዮም ዝገልጹ።

እታ ግዝኣት ፈረንሳ ዝነበረት ሰኔጋል፣ ናብ የመን ሰራዊታ ትልእኽ ዘላ ንፈረንሳ ወኪላ’ያ ዝብሉ ብዙሓት’ውን ኣለዉ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሰኔጋል’ውን ንፓርላማ ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ሰራዊት ሃገሩ ናብ የመን ዝዋፈር ዘሎ እቲ ቅዱስ ቦታታት ተባሂሉ ዝእመነሉ ሜካን መዲናን ብሰንኪ ኣመንቲ ሺዓ ሓደጋ ኣንጸላልይዎ ከምዘሎ’ዩ ሓቢሩ።

ናይ ገዛእ ርእሳ ጸገማት ክትፈትሕ ዘይክኣለት ሰኔጋል ኣብ ከምዚ ናይ የመን ዝኣመለሰ ዝተሓላለኸን ሓደገኛን ኩነታት ወትሃደራዊ ምትእትታው ምፍጻማ፣ ከቢድ ሳዕቤን ከኽፍላ’ዩ ክብሉ’ውን ሓያሎ ተንተንቲ የጠንቕቑ ኣለዉ።

========================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0