ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ኣመሪካ፡ምስ ናይ ሩስያ ናይ ውግእ ጀት ተጋጭያ

Radio Erena: 16 March 2023

ናይ ኣሜሪካ MQ-9 ሪፐር ዝተባህለት ሰብ ኣልቦ ነፋሪት፣ ምስ ናይ ሩስያ ሱ 27 ናይ ውግእ ነፋሪት ኣብ ጸሊም ባሕሪ ተጋጭየን።

ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ኣሜሪካ ፔንታጎን ከም ዘፍለጦ፡ እታ ሪፐር ዝተባህለት ናይ ስለያ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ኣብ ዓለምለኻዊ ክሊ ኣየር መደበኛ ስርሓ እናካየደት ከላ እቲ ሓደጋ ምግጣሙ ሓቢሩ።

ቢቢሲ ብወገኑ፡ MQ 9 ዝተባህለት ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ኣሜሪካ፡ ናይ ሩስያ ኣብረርቲ ነፈርቲ ውግእ ብዘርኣይዎ ሸለልትነት እቲ ሓደጋ ምግጣሙ ገሊጹ።

እቲ ግጭት ቅድሚ ምግጣሙ፡ ናይ ሩስያ ናይ ውግእ ጀት ኮነ ኢለን ናብታ ነፋሪት ነዳዲ ይደፍኣ ምንባረን ዝሓበረት ኣሜሪካ፡ እቲ ተግባር ሸለልትነት ዝመልኦ፡ ንኣከባብያዊ ድሕነት ክብሪ ዘይህብን፡ ካብ ሞያዊ ስነ ምግባር ዝረሓቐን’ዩ ኢላ።

እዚ ክስተት ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ሩስያን ሓድሽ ወጥሪ ክሰፍን ጌሩሎ።ኣሜሪካ ነዚ ተኸቲላ፡ ኣምባሳደር ሩስያ ኣብ ሃገራ ብምጽዋዕ መብርሂ ክህብ ሓቲታ ኣላ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0