ሰበስልጣን መንግስቲ ሱዳን፣ ምኽንሻብ ደቀንስትዮ ብገበን ዘሕትት ወንጀል ዝገብር ሕጊ ኣርቂቖም

Radio Erena: 03 May 2020

ሰበስልጣን መንግስቲ ሱዳን፣ ምኽንሻብ ደቀንስትዮ ብገበን ዘሕትት ወንጀል ዝገብር ሕጊ ኣርቂቖም።
እቲ ኣብዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ ዝረቐቐ ሕጊ፣ ምኽንሻብ ደቀንስትዮ ከም ገበን ተራእዩ፣ ንሰለስተ ዓመት ዘፍርድ ምጥሓስ ሕጊ ከምዝኸውን ዝገብር እዩ።
ካቢኔ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን፣ ነዚ ቀሪቡ ዘሎ እማመ ብሕጂ ከጽድቖ እኳ እንተኾነ፣ ኣብ ታሪኽ መሰል ደቀንስትዮ ሱዳን እቲ ዝዓበየ ዓወት ተባሂሉ ክምዝገብ ከምዝኾነ ይግለጽ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝርከቦም ሓያሎ ኣህጉራውያን ትካላት ሰበስልጣን ሱዳን፣ ነዚ መሰረታዊ መሰል ደቀንስዮ ዝሕሉ ሕጊ ምርቃቖም ዘለዎም ናእዳ ገሊጾም ኣለዉ።
ከም ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ሱዳን’ውን ብሰፊሑ ከምዝትግበር ዝፍለጥ ምኽንሻብ ደቀንስዮ፣ ብዘይካ’ቲ ብረኽስን ካልእን ዝስዕብ ሓደጉኡ፣ ነባሪ ኣካላዊን ስነኣእምሮኣዊን በሰላ ከምዝገድፍ፣ ውድብ ጥዕና ዓለም የጠንቅቕ።
ዝሓለፈ ዓመት ንደቀንስትዮ ተዛማዲ ሓርነት ዝህብ እማመታት ናብ ቆንስል ሚኒስተራት ሱዳን ምቕራቡ ዝዝከር ኮይኑ፣ ምስቲ ሰሪቱ ዝጸንሐ ሃይማኖታዊን ባህላዊን ሕግታት ኣብ ረጽሚ ብምእታዉ፣ ከይተተግበረ እዩ ተሪፉ።
ብመሰረት ኣብ 2014 ዝወጸ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ሱዳን ልዕሊ 87 ሚእታዊት ኣብ ክሊ ዕድመ 15 ክሳብ 49 ካብ ደቀንስትዮ፣ ናይ ምኽንሻብ ሓደጋ የጋጥመን። ኣብቲ ጸብጻብ ሰፊሩ ከምዝርከብ ኣብ ኤርትራ’ውን ልዕሊ 89 ሚእታዊት ካብ ደቀንስትዮ በዚ ሓደገኛ መስርሕ’ዚ ዝሓለፋ እየን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0