ሰራዊት ፣ህዝቢ ምስ ዝመረጾ ሰልፊ ደው ክብል ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ኣዘኻኺሩ

ሰራዊት ፣ህዝቢ ምስ ዝመረጾ ሰልፊ ደው ክብል ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ኣዘኻኺሩ

Radio Erena: 05 June 2018

Aby Ahmed

ሰራዊት ፣ህዝቢ ምስ ዝመረጾ ፖለቲካዊ ሰልፊ ደው ክብል ከምዘለዎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ከምዘዘኻኸረ ጋዜጣ ዘ ሪፖርተር ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢራ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነዚ ዘዘኻኸረ፣ ምስ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት እታ ሃገር ኣብ ዘካየዶ ሰፊሕ ምይይጥ’ዩ።

ንሱ ኣብቲ ምይይጥ፣ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ኢህወደግ ፖለቲካዊ ብቕዓት ስኢኑ እንተተኣልዩ፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ምስቲ ብህዝቢ ዝምረጸ ሰልፊ ደው ኢሉ ክቕጽል ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቡ።

ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብቲ ብዓርቢ 1 ሰነ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ዘካየዶ ምይይጥ፣ ኣብ ሰራዊት ዝትግበር ምትዕርራያት ብዝምልከት ምስቶም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ዝኾኑ ጀነራላት ከምዝተዘራረበ ተሓቢሩ።

ሰራዊት ኢትዮጵያ ድጋመ ምትዕርራይ ኣብ ዝግበረሉ ጎኒ ጎኑ ድማ ሓይሊ ባሕሪ ንምቛም መደብ ከምዘሎ’ውን እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብተወሳኺ ገሊጹ።

ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፣ ሓይሊ ባሕራ ተበታቲኑ ዝጸንሐ ኢትዮጵያ ዳግም ከተቑሞ ምዃና ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተራ ይገልጽ እኳ እንተሎ፣ ኣብ ኣተገባብርኡ ይኹን ካልእ ዝርዝራዊ መደባቱ ኣየብርሀን።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0