ሰራዊት ኤርትራ ካብ ሓያሎ ከተማታት ትግራይ ይወጽእ ከምዘሎ ነበርቲ’ተን ከተማታት ገሊጾም

Radio Erena: 22 January 2023

ሰራዊት ኤርትራ ካብ ሓያሎ ከተማታት ትግራይ ይወጽእ ከምዘሎ ነበርቲ’ተን ከተማታት ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝህብዎ ዘለዉ ናይ ዓይኒ ምስክርነት ገሊጾም።
ሰራዊት ኤርትራ ዝሓለፈ ወርሒ ካብ ሽረን ኣኽሱምን ከምዝሰሓበ ዝሓበረ ቢቢሲ ብወገኑ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ ከኣ ካብ ዓድዋን ካልኦት ከተማታትን ከምዝወጸ፣ ንምንጭታቱ ብምጥቃስ ሓቢሩ።
ነበርቲ ከተማ ኣኽሱም ኣብ ዝሃብዎ ቃል ከኣ፣ ልዕሊ 70 ሰራዊት ኤርትራ ዝጸዓና መካይንን ታንክታትን ካብ ወገን ዓድዋ መጺኤን ንመንገዲ ሽረ ሒዘን ይጎዓዛ ምንባረን ቃሎም ሂቦም።
ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንስምምዕ ሰላም ሓጋዚ እዩ ክብል ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ጸቕጢ ክገብር ጸኒሑ እዩ።

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0