‘ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ዝኣተወን ከተማታት ትግራይ ቅትለትን ዝምታን ይፍጽም ኣሎ።’ ኣሶሸትድ ፕረስ

Radio Erena: 02 November 2022

ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ዝኣተወን ከተማታት ትግራይ ቅትለትን ዝምታን ይፍጽም ኣሎ ክብል ኣሶሸተድ ፕረስ ንነበርቲን ሰራሕተኛታት ኣህጉራውያን ትካላትን ብምጥቃስ ኣቃሊሑ።

እቲ ሰራዊት፣ ኣብ ዝኣተወን ከተማታት ሽረ፣ ኣኽሱምን ዓድዋን፣ ዝዘመቶ ንብረት ብመካይንን ኣግማልን ናብ ኤርትራ የግዕዝ ከምዘሎ ዝጠቐሰ እቲ ኣገልግሎት ዜና፣ ኣብ ጎኑ ተሰሊፉ ዘሎ ሰራዊት ኢትዮጵያ ደው ከብሎ እንተፈተነ’ውን ልዕሊ ዓቕሙ ምዃኑ ጠቒሱ።

ኣብ ከባቢ ኣኽሱም፣ ሲቪል ዝተኸድኑ ኣርባዕተ ሰባት ተቐቲሎም ከምዝርኣየ፣ ናብ ሽረ ዘምርሕ ዝነበረ ሰራተኛ ትካል ግብረ ሰናይ ነቲ ኣገልግሎት ዜና ናይ ዓይኒ ምስክርነቱ ሂቡ።

ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ’ዚ፣ ኣብ ገጠራት ንዝተዘርአ ኣእካል፣ ከም ናይ ዝሓለፈ እዋን፣ ብሓዊ የቓጽል ምህላው ጸብጻብ ኣሶሸትድ ፕረስ ኣመልኪቱ።

ኣብ ትግራይ፣ ከም ቴሌፎንን ኢንተርነትን ዝኣመሰለ መራኸቢታት ተቛሪጹ ምስ ምህላዉ፣ ኣብዚ ክልተ ኣዋርሕ ኣሕሊፊ ዘሎ፣ ዳግም ዝተወልዐ ኵናት ዝወርድ ዘሎ ዕንወት ንምርግጋጽ ኣጸጋሚ’ዩ።

ኣሶሸትድ ፕረስ፣ ብዛዕባ’ቲ ካብ ነበርቲን ሰራሕተኛታት ኣህጉራውያን ትካላትን ዝኣከቦ፣ ንቅትለትን ዝምታን ዝምልከት ዘቕረቦ ሓበሬታ፣ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ተወኪሱ መልሲ ከምዘይረኸበ ኣፍሊጡ።

ሰራዊት ኤርትራ፣ ካብ 06 ክሳብ 12 መስከረም ኣብ ዝነበረ ግዜ፣ ኣብ ሸራሮ፣ ስደተኛታት ኤርትራ ዝርከብዎም ብውሕዱ 40 ሰለማውያን ሰባት ቀቲሉ ክብል ኣምነስቲ ኢንተርናሽና፣ ብ24 ጥቅምቲ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ከሲሱ’ዩ።

ስእሊ፤- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0