‘ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ንጹሃን ዜጋታት ቀቲሉ፣’ ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ንመጀመሪያ ከሲሱ

Radio Erena: 23 May 2021

ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ንጹሃን ዜጋታት ቀቲሉ፣ ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ንመጀመሪያ እዋን ከሲሱ።
ብፍላይ ብዕለት 27ን 28ን ሕዳር ኣብ ከተማ ኣኽሱም 110 ሲቪላውያን ሰባት ብሰራዊት ኤርትራ ከምዝተቐትሉ ብዕለት 21 ግንቦት ዝወጸ መግለጺ ኣመልኪቱ።
ካብዚኦም እቶም 70 ካብ ቤቶም ወጻኢ ኣብ ደገ ዝተቐትሉ ክኾኑ እንከለዉ፣ እቶም 40 ከኣ ከካብ ቤቶም ብተፍትሽ ተገፊፎም ዝተረሸኑ እዮም ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ይኸስስ።
ወተሃደራዊ ኣኽባር ሕጊ ኢትዮጵያ ብወገኑ ብዓመጽ ደቀንስትዮ ዝኸሰሶም ሰለስተ ወተሃደራቱ ብገበን ክሓቶም እንከሎ፣ ንካልኦት 28 ከኣ ኣብ ትግራይ ምስ ዝተፈጸመ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ብዝተኣሳሰር ክሲ መስሪቱሎም ኣሎ።
ካልኦት 25 ወተሃደራት ኢትዮጵያ እውን ብካልእ ዓይነት ጾታዊ ዓመጽ ኢሉ ዝገለጾ ገበናት ክሲ ኣቕሪቡሎም ኣሎ።
እቲ ቤት ጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ፣ ኣብ ክልተ ከባቢታት ትግራይ ጃምላዊ ቅትለት ከምዝተፈጸመ እውን ገሊጹ። ኣብ ማይ ካድራ ጥራይ ብውሑዱ 229 ሰላማውያን ሰባት ብጃምላ ከምዝተቐትሉ፣ ኣህጉራውያን ተጣበቕቲ መሰላት ክገልጻ ጸኒሐን’የን።
ምምሕዳር ባይደን ዝርከቦም ሓያሎ መራሕቲ ሃገራት ዓለም፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ሰራዊት ኤርትራ ብቕጽበት ካብ መሬቱ ከምዝወጽእ ክገብር ክሓቱ ጸኒሖም እዮም።
እንተኾነ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ከተሃዳድእ ቅሩብነት ብዘይምርኣዩ ኣብ ሓያሎ መሻርኽቲ ኢትዮጵያ ዝኾና ሃገራት ዘይዕጋበት ፈጢሩ ከምዘሎ ይግለጽ።
ኣመሪካ ክሳብ ናይ መገሻ ማዕቀብ ዝኸይድ ኣብ ልዕሊ ዝተወሰኑ ሰበስልጣናት ኢትዮጵያን ኤርትራን ክትገብር ተኽእሎታት ከምዘሎ’ውን ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ይጠቕሱ።
ኣመሪካ ነዚ ስጉምቲ’ዚ እንተወሲዳ፣ ምስታ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከም ቀንዲ መሻርኽቲ እትርእያ ኢትዮጵያ ዘለዋ ዝምድና ሓድሽ መልክዕ ከትሕዞ ምዃኑ እዩ ዝግለጽ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0