“ሰራዊት ኤርትራ፣ ናብ ትግራይ ዝኣተወ ብሰራዊት ኢትዮጵያ ሓገዝ ተሓቲቱ ዘይኮነ ባዕሉ’ዩ።” ሜ/ ጀነራል በላይ ስዮም

Radio Erena: 07 January 2021

ሰራዊት ኤርትራ፣ ናብ ትግራይ ዝኣተወ ብሰራዊት ኢትዮጵያ ሓገዝ ተሓቲቱ ዘይኮነ ባዕሉ’ዩ ክብል ኣዛዚ እዚ ሰሜን ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ሜጀር ጀነራል በላይ ስዮም ገሊጹ።

እቲ ጀነራል ምስ ህዝቢ መቐለ ኣብ ዝገበሮ ዘተ፣ ዶብ ክሕሉ ዝወፈረ ሰራዊት ሰሜን እዚ፣ ብህወሓት ድሕሪ ዝተኸፍተሉ መጥቃዕቲ፣ ነብሱን ዶብን ክከላኸል ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ድሕሪ ምብጽሑ፣ ሰራዊት ኤርትራ ድማ ባዕሉ ጥሒሱ ከምዝመጸ ኣረዲኡ።

ጀነራል በላይ ብተወሳኺ፣ ‘ናይ ባዕዲ’ ዝበሎ ሰራዊት ኤርትራ፣ ናብ ኢትዮጵያ ምእታዉ፣ ብጣዕሚ ከምዘጉህየናን ሳዕቤናቱ ድማ ንፈልጦን ኢና ድሕሪ ምባሉ፣ ናብዚ ኩሉ ጸገም ዘውደቐና ግና መን ምዃኑ ትፈልጡ ኢኹም ክብል’ዩ ንህዝቢ መቐለ ኣገንዚቡ።

ግዝያዊ ከንቲባ ከተማ መቐለ ኣታኽልቲ ሃይለስላሴ ብወገኑ፣ ሰራዊት ኤርትራ፣ ናብ ትግራይ ኣትዩ ዶ ኣያተወን ዘይኮነ፣ መዓስን ብኸመይ ይወጽእ’ዩ ክኸውን ዘለዎ እቲ ሕቶ ክብል ንህዝቢ እታ ከተማ መግለጺ ክህብ ተሰሚዑ’ዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብይ ኣሕመድ፣ ምስ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣንቶንዮ ጉተረሽ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ፣ ሰራዊት ኤርትራ፣ ኣብቲ ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ዝተወሰነሉ ከባቢታት ጥራይ እንተዘይኮይኑ ናብ ውሽጢ ትግራይ ከምዘይኣተወ ምግላጹ ይዝከር።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ብኣንጻር እዚ፣ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ኵናት ትግራይ ንዝገበረሉ ሓገዝ ብወግዒ ኣመስጊኑ’ዩ።

ይኹን’ምበር ብዛዕባ ህላወ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ሉኣላዊ መሬት ኢትዮጵያ ብንጹር ኣይገለጸን።

ኣብይ ኣሕመድ፣ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ንዝተፈጥረ ጸገም፣ ብወትሃደራዊ ሓገዝ ጎረቤት ሃገር ንምፍትሑ ዘካየዶ ወትሃደራዊ ወፍሪ፣ ኣብ ፈለማ ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት እታ ሃገር ናእዳን ኣድናቖትን እኳ እንተረኸበ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ግና ‘ሉኣላውነት ሃገር ኣሕሊፉ ዝሃበ’ እናተባህለ ይውቀስ ኣሎ።

ንሱ፣ ምስ ህወሓት ንዝነበሮ ምትፍናንን ወጥርን፣ ብሓገዝ ሓደ ንነዊሕ ዓመታት ከም ጸላኢ ክርአ ዝጸንሐ ናይ ጎረቤት መንግስቲ፣ ወትሃደራዊ መጥቃዕቲ ከካይድ ምልፋኑ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ከቢድ ቅርሕንቲ ኣሕዱሩ ምህላዉ ብመንገዲ ማሕበራዊ ሜድያታት ዝዝርጋሕ ዘሎ መልእኽታት’ውን የረጋግጽ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 4
  • comment-avatar
    ሰላም 10 months ago

    ከመይ ኢሉ እዮ ሰራዊት ኢሳያስ ብዘይ አፍልጦ አብይ ናብ ኢትዮጵያ ክአቱ ዝኽእል? አብይ አብቲ እዋን አብ አስመራ ዶ አይኮነን ኔሩ? ብመሰረቱ እቲ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ዝኸደ ናይ ኢሳያስን አብይን ፍቅሪኸ አብ ምንታይ ዝተሞርኮሰ ድዩ ኔሩ?

  • comment-avatar

    20 ዓመት መሬትና ጎቢጡ ብሰንኮም መነሰይ ኣደዳ ስደት ኮይኑ ጸሉኤ ብዝኾነ ክጠፍአ ኣለዎ ኑሱ አዩ አቲ ሓቂ

  • comment-avatar
    ተወልደ 10 months ago

    እቲ ጽቡቕ ነገር እዞም ናይ ቀትሪ ኣዛብእ ምጥፍኦም ኢዩ።

  • comment-avatar
    ሚኪ 10 months ago

    ወያነ ከም ዳይኖሶር ካብ ምድሪ ዓለም ዘጽንት ስራሕ እንተኾይኑ፡ ኣይኮነን ትግራይ እንተተኻኢሉ ዋላ ኣብ ማርስ ኬድካ፡ ምስ ኢትዮጵያውያን ጥራይ ዘይኮነ ድማ ዋላ ምስቲ ብሕልምና ንሰልጦ ሰይጣን ተላፊንካምስራሕ ሓላል’ዩ።
    ኮነ ድማ፡ ጭፍራ ወያነ፡ ንዘክኣለም ንኸይምለስ፡ ብዘሕፍር ውርደት ካብ ገጽ ዓለምና ጠፊኡ።
    ንዓና ኔርትርውያንን ነቶም ኢትዮጵያውያንን ቅሳነት ዝህበና ኮይኑ፡ ገለ ተጋሩን ገለ መዳኸርቲ ኤርትራውያን ከም በዓል ኣሰናን ራድዮ ኤረናን ድማ ደም ንብዑ እምበር፡ ህግደፍሲ ስሪኡ ንዓኹምን ነቶም ዘኸድምኹም ወያነን ነቶም ዝምውሉኹም ምዕራባውያንን ድሎ ብድሎ ሽዋሕዋሕ ኣቢልኩም’ዩ። GAME OVER.