ሰራዊት ኣይቮሪኮስት ብሰንኪ ክፍሊት ኣድማ የካይድ

Radio Erena: 15 May 2017

Ivory coast

ገለ ክፋል ሰራዊት ኣይቮሪኮስት፣ መንግስቲ ዝተመባጽዓሉ መጠን ገንዘብ ክኽፈሎ ብምጥላብ ኣድማ የካይድ ኣሎ።

እቲ ኣድማ ዘካይድ ዘሎ ሰራዊት ኣይቮሪኮስት፣ ድሕሪ ርእሰ ከተማ ኣቢጃን፣ ብዕብየታ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ንእትስራዕ ከተማ ቦዋከ ተቖጻጺሩ ምህላዉ ይግለጽ።

እቶም ኣብ ከተማ ቦዋከ ኣዲሞም ዘለው ኣባላት ሰራዊት፣ ኣንጻሮም ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከካይድ ኣብ ልዕሊ ዝተበገሱ ነበርቲ እታ ከተማ ብዝኸፈትዎ ተዅሲ ብውሕዱ ሽዱሽተ ሰባት ከምዝቖሰሉ ንናይ ዓይኒ መሰኻክር ብምጥቃስ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

መንግስቲ ኣይቮሪኮስት፣ እቶም ኣዲሞም ዘለዉ ኣባላት ሰራዊት ዕጥቖም ከውርዱ ንዘቕረቦ ጻውዒት ድሕሪ ምንጻጎም፣ እቲ መንግስቲ ብሓይሊ ንምምራኾም ብሰንበት 14 ግንቦት ፍሉያት ሓይልታቱ ናብታ ከተማ ልኢኹ።

እቶም ካብ ዓርቢ 12 ግንቦት ኣትሒዞም ዘለዉ ኣባላት ሰራዊት፣ መንግስቲ ኣብ ወርሒ ጥሪ ዝተማባጽዓሎም ገንዘብ ክኸፍሎም ንምጥላብ እንተዘይኮይኑ ካልእ ዕላማ ከምዘይብሎም’ዮም ዝገልጹ።

እንተኾነ መንግስቲ እታ ሃገር ምስቶም ኣዲሞም ዘለዉ ኣባላት ሰራዊት ዝኾነ ስምምዕ ከምዘይገብር ብምግላጽ፣ ነቲ ኩነታት ብሓይሊ ክፈትሖ ምዃኑ ኣጠንቒቑ።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0