ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ሞያለ ዝቐተሎም ብውሕዱ 9 ሰባት ብጌጋ ምዃኑ ገሊጹ

ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ሞያለ ዝቐተሎም ብውሕዱ 9 ሰባት ብጌጋ ምዃኑ ገሊጹ

Radio Erena: 12 March 2018

Moyale

ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብቲ ምስ ኬንያ ዘዳውብ ከባቢታት ሞያለ ዝሓለፈ ሰሙን ዝቐተሎም ብውሕዱ 9 ሰባት፣ ብጌጋ ምዃኑ መንግስቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

መንግስታዊ ማዕከን ዜና ኢትዮጵያ ትማሊ ሰንበት 11 መጋቢት ኣብ ዘቕረቦ ዜና፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ነቶም ብግብረ ሽበራውያን ምስ ዝጥርጠሩ ዕጡቓት ዘመሳሰሎም 9 ሰባት ብጌጋ ከምዝቐተለን 12 ከኣ ከምዘቑሰለን ጠቒሱ።

ኣብ ከባቢ ሞያለ ኣብ ጸጥታዊ ስርሒት ተዋፊሩ ዝነበረ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ግጉይ ስለያዊ ሓበሬታ ድሕሪ ምርካቡ ነቲ ኩነታት ከየጻረረ ብዝፈነወ ህዉኽ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ናይ ሞትን መቁሰልትን ጉድኣት ከምዘብጽሐ’ዩ ዝንግረ።

በቲ መጥቃዕቲ ናይ ዝሞቱን ዝቖሰሉን ብዝሒ ሰለማውያን ሰባት ካብቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቕሪብዎ ዘሎ ቁጽሪ ከምዝዛይድ ተቓወምቲ ወገናት ይገልጹ እኳ እንተለዉ፣ ብናጻ ኣካል ክጻረ ኣይከኣለን።

ሰራዊት ኢትዮጵያ ከምዚ ዓይነት ቅትለት ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ ብጌጋ ከምዝፈጸመ ዝገልጽ ዘሎ፣ ነታ ሃገር ንኣስታት ክልተ ዓመታት ዝሃወኸ ተቓውሞን ናዕብን ህዝቢ ንምግታእ ናይ ህጹጽ እዋን ተኣውጅሉ ኣብ ዘሎን፣ ብፍቓዱ ስልጣኑ ንዝሓደገ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ንምትካእ ኣብ ከቢድ ፖለቲካዊ ወጥሪ ተሸሚማትሉን ኣብ ዘሎ እዋን’ዩ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0