ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ንዘይምእታዉ፣ ው.ሕ.ሃ. ደገፉ ገሊጹ

Radio Erena: 26 December 2021
መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራዊቱ ካብ ክልላት ኣምሓራን ዓፈርን ሰጊሩ ናብ መሬት ትግራይ ከምዘይኣቱ ምውሳኑ፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘለዎ ደገፍ ገሊጹ።
ዋና ጸሓፊ’ቲ ውድብ ኣንቶንዮ ጉተረዝ ብዓርቢ 24 ታሕሳስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራዊቱ ናብ ትግራይ ከይኣተወ ደው ክብል ምውሳኑ፣ ከም ምልክት ተስፋ ንሰላም ከምዝርእዮ ገሊጹ።
ንሱ ኣብ መግለጺኡ፣ ኩሎም ወገናት ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኣጋጣሚ ከም ጽቡቕ ዕድል ርእዮም ተጻብኦታት ደው ከብሉን፣ ናብ መኣዲ ዘተ ዝቐርቡሉ ኣጋጣሚታት ከናድዩን ተማሕጺኑ።
ወሃብ ቃል በዓል መዚ መራኸቢታት ኢትዮጵያ ለገሰ ቱሉ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ሰራዊት መንግስቲ ንሓይልታት ትግራይ ካብ ተቖጻጺሮሞ ዝነበሩ ከባቢታት ደፊኡ ንቀዳማይ ዒላማ’ቲ ስርሒት ስለዝዛዘሞ፣ ናብ መሬት ትግራይ ክኣቱ ከምዘይኮነ ገሊጹ’ዩ።
ኣቐድም ኣቢሉ ዶክተር ደብረጽዮን ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝለኣኾ ደብዳቤ፣ ሓይልታት ትግራይ ካብ ክልላት ኣምሓራን ዓፈርን ብገዛእ ውሳኔኦም ወጺኦም ናብ ትግራይ ምምላሶም ከም ምልክት ሰላም ክረአ ከምዝግባእ ገሊጹ’ዩ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ እዚ ብክልቲኦም ወገናት ዝረአ ዘሎ ኵናት ደው ናይ ምባል ምልክታት፣ ሰብኣዊ ረዲኤት ንኽባጻሕ ርሒብ ዕድል ስለዝኸፍት፣ ነቶም ብጥሜትን ምምዝባልን ዝሳቐዩ ዘለዉ ዜጋታቶም ክሓስቡሎም እዋኑ ምዃኑ ኣመልኪቱ።
ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ናይ ወጻኢ ሓይልታት እውን ምሉእ ብምሉእ ክወጹ እጽውዕ ክብል ኣንቶንዮ ጉተረዝ መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ።
ጠንቂ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ናይ ዝቑጸሩ ሰባት ሞትን መቑሰልትን ኣስዒቡ ዘሎ እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብሰላማዊ መንገዲ ንኽዓርፍ ብኦሊሰጉን ኦባሳንጆ ንዝካየድ ዘሎ ጻዕርታት ምሉእ ደገፍ ከምዝገብር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።

 

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0