ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ “እዚ ሰሜን”፣ መበል ሻውዓይ መዓልቲ ምክልኻል፣ ኣብ ጓል ባድመ ጸምቢሉ

ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ “እዚ ሰሜን”፣ መበል ሻውዓይ መዓልቲ ምክልኻል፣ ኣብ ጓል ባድመ ጸምቢሉ

ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ መበል ሻውዓይ መዓልቲ ምክልኻል፣ ኣብ ጓል ባድመ ከምዝጸንበለ ካብ ትግራይ ዝተመሓላለፈ ዜና ኣፍሊጡ።

እቲ ምስ ኤርትራ ኣብ ዘዳውብ ከባቢታት ሰፊሩ ዝርከብ፣ ብእዚ ሰሜን ዝጽዋዕ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ኣብ ጓል ባድመ፣ ድሙቕ ወትሃደራዊ ምርኢትን ጽምብልን ዘካየደ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን፣ ንባድመ ዝምልከት ጉዳይ ንጎኒ ብምጉሳይ፣ ንህዝቢ ንጹር ብዘይኮነ ርክባት ኣብ ዝቕጽልዎ ዘለዉ እዋን’ዩ።

ኣብቲ ኣብ ጓል ባድመ ዝተኻየደ ጽምብል፣ ብኣጋር ሰራዊትን ከበድቲ ብረትን ዝተሰነየ ወትሃደራዊ ምርኢት ቀሪቡ።

ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ባድመ ከይሰሓበ፣ ምስ ኢትዮጵያ ዝኾነ ዝርርብ ኣይንገብርን ኢና እናበለ 20 ዓመታት ዝጸንሐ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብዘካይዶ ዘሎ ርክባት፣ ጉዳይ ባድመ ከም ኣርእስቲ’ውን ከይልዓል ካድራቱ ጽዑቕ ጎስጓስ የካይዱ ከምዘለዉ ይፍለጥ።

መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ህይወት 10ታት ኣሽሓት መንእሰያት ዘጥፍአ ጉዳይ ምሕንጻጽ ዶብን ምርኽኻብ ባድመን መዕለቢ ከይገበሩ፣ ንጹር ናብ ዘይኮነን ንህዝቢ ዘይተሓበረን ካልእ ጉዳያት ምዝላሎም፣ ዝበኣሰ ሳዕቤን ክህልዎ ከምዝኽእል ሓያሎ ኤርትራውያን ስግኣቶም ብኣግኡ ይገልጹ።

ባድመ፣ ኣካል ሉኣላዊት ኤርትራ ምዃና፣ ኣህጉራዊ ኮሚሽን ዶብ ብዝሃቦ ውሳኔ ዝተረጋገጸ እኳ እንተኾነ፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ትምሓደር ከምዘላ ይፍለጥ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0