“ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ እንተደልዩ ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ናብ መቐለ ክምለስ ይኽእል’ዩ።” ኣፈኛ መንግስቲ ኢትዮጵያ

Radio Erena: 30 June 2021

ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ እንተደልዩ ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰሙናት ናብ መቐለ ክምለስ ይኽእል’ዩ ክብል ኣፈኛ መንግስቲ ኢትዮጵያ ገሊጹ።

ኣቶ ሬድዋን ሑሰን ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ በይናዊ ምቑራጽ ቶኽሲ ምክያዱ ንሰብኣዊ ምኽንያት’ዩ ክብል ጠቒሱ።

ብኣንጻር ‘ዚ፣ ኣፈኛ ክልል ትግራይ፣ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፣ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኣወጆ በይናዊ ምቁራጽ ቶኽሲ ብወገን ትግራይ ተቐባልነት ከምዘይብሉን፣ ጸረ መጥቃዕቲ ሓይልታት ትግራይ ድማ ክሳብ ኤርትራን ክልል ኣምሓራን ክቕጽል ከምዝኽእል’ዩ ኣሚቱ።

ሓይልታት ትግራይ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ንዝበዝሐ እቲ ኣብ ትሕቲ ሰራዊት መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝነበረ ከባቢታት ትግራይ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ከምዘእተዉ’ዩ ዝግለጽ።

ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ኣብ ትግራይ ከቢድ ክሳራታት ኣጋጢምዎ ክስሕብ ከምዝተገደደ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ብ30 ሰነ ንማሕበረሰብ ሜድያ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ እቲ ሓቂ ብኣንጻሩ ምዃኑ’ዩ ኣመልኪቱ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ብትዊተር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ድማ፣ ተዳኺሙ’ዩ ንዝበሎ ህወሓት ኣብ ዝተናወሐ ኵናት ንኢትዮጵያ ንምድድኻም ስለዝኾነ መደቡ፣ መንግስቲ ናይ ስትራቴጂ ምቅይያር ከምዝገበረ ሓቢሩ።

መጻኢ ትግራይ እንታይ ክኸውን’ዩ ዝብል ሕቶ፣ ኣብ ዝልዓለሉ ዘሎ እዋን፣ ባይቶ ጸጥታ ጽባሕ 2 ሓምለ ህጹጽ ኣኼባ ከካይድ ምዃኑ ትጽቢት ኣሎ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0