ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ኣጽዋር ጽዒና ናብ ክሊ ኣየር ኢትዮጵያ ዝኣተወት ነፋሪት ከምዝሓምሸሸ ገሊጹ

Radio Erena: 25 August 2022

ተተኮስቲ ኣጽዋር ጽዒና ናብ ክሊ ኣየር ኢትዮጵያ ዝኣተወት ነፋሪት፣ ብጸረ ነፈርቲ ተሃሪማ ከምዝተሓምሸሸት፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ገሊጹ።

ካብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ፣ መጀር ጀነራል ተስፋየ ኣያለው ንማዕከናት ዜና ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ እታ ካብ ሱዳን ተበጊሳ ዝበላ ነፋሪት፣ ኣጽዋር ናብ ሓይልታት ትግራይ ተጎዓዕዝ ምንባራ እዩ ከሲሱ።

ብዕለት 24 ነሓሰ ኣብ ሰዓታት 10 ናይ ንግሆ ኣብ ከባቢ ሑመራ ተሃሪማ ከምዝወደቐት እትግለጽ ዘላ እዛ ነፋሪት፣ ዋንነታ ናይ መን ምዃና፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣየፍለጠን።

ነዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝሃቦ መግለጺ ብዝምልከት፣ እዚ ዜና ናብ ስቱድዮ ክሳብ ዝኣተወሉ ሰዓት ብሳልሳይ ኣካል ዝተዋህበ መግለጺ የለን።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0