ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልተ ግንባራት ክልል ኦሮምያ መጥቃዕቲ ከፊቱ ክብል ኦነግ ገሊጹ

Radio Erena: 10 May 2023

ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ኦሮምያ ኣብ ዝርከብ ክልተ ግንባራት መጥቃዕቲ ከምዝኸፈተ፣ ኣፈኛ ኦነግ፣ ኦዳ ታርቢ፣ ብ09 ግንቦት፣ ብትዊተር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ገሊጹ።

እቲ ሰራዊት፣ ኣብ ዞባ ምዕራብ ሸዋ፣ ጀልዱ፣ ኣብ ምብራቕ ሸዋ ድማ፣ ኣዳሚ ቱሉ ኣብ ዝተባህለ ከባቢታት መጥቃዕቲ ከምዝተኸፍተ ዝሓበረ፣ ኣፈኛ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ፣ ሓይልታት ኦነግ ከምዝመከትዎ ኣገንዚቡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብዛዕባ’ዚ ብኦነግ ዝተዋህበ መግለጺ ዝሃቦ ምላሽ የለን።

እቲ ኢትዮጵያን፣ ብኦነግ ሸኔ ንዝጽውዖ ግንባር ሓርነት ኦሮሞን፡ ካብ 25 ሚያዝያ ኣትሒዞም ንትሽዓተ መዓልታት፣ ኣብ ታንዛንያ፣ ደሴት ዛንዚባር፣ ዘካየድዎ ዘተ፣ ብዘይዝኾነ ፍረ ከምዝተበተነ ይፍለጥ።

እቲ ዘተ ብዘይ ስምምዕ ድሕሪ ምፍሻሉ ድማ’ዩ፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ኣብ ልዕሊ ኦነግ መጥቃዕቲ ከምዝኸፈተ ዝግለጽ ዘሎ።

ኣብ ክልል ኦሮሞ ኣብ ዝርከባ 21 ዞባታት፣ ብውሕዱ ኣብተን 8 ግጭት ክካየድ ጸኒሑ’ዩ።

ሰራዊት መንግስቲ፣ ንምንቅስቓስ ኦነግ ኣብተን ዞባታት ብወትሃደራዊ ሓይሊ ክገትእ ብዘይምኽኣሉ፣ እቲ እንኮ ኣምጻራጺ ንሰላም፣ ፖለቲካዊ ዘተ ጥራይ ምዃኑ ዝተፈላለዩ ወገናት እታ ሃገር የተሓሳስቡ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0