ሰራዊት ሱዳን ኣብ ኣልፋሽጋ ኣብ ልዕሊ ዝርከብ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ከፊቱ

Radio Erena: 28 June 2022
ሰራዊት ሱዳን ኣብ ዞባታት ኣልፋሽጋ ኣብ ልዕሊ ዝርከብ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ መጠነ-ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከምዝኸፈተ ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ገሊጸን።

ኣሶሼትድ ፕረስ ብዘውጸኦ ሓበሬታ መሰረት፣ ሰራዊት ሱዳን ቃላ-ለባን፣ ባርካትን እምባታት ተስፋይ ዓዳዊን ዝተባህሉ ከባቢታት ኣል-ፋሽጋ ተቖጻጺሩ ኣሎ።
ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ 7 ወተሃደራት ረሺኑ፣ ሬሳታቶም ብዘነውር መንገዲን ንህዝቢ ከርእይ ውዒሉ ዝብል ክሲ ብመንግስቲ ሱዳን ድሕሪ ምውጽኡ፣ ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃን፣ ሕነኦም ክፍደ ምዃኑ ቃል ድሕሪ ምእታዉ እዩ እቲ መጥቃዕቲ ተጀሚሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ መጥቃዕቲ ዘካየዱ ብረት ዝዓጠቑ ምልሻታት ደኣምበር ሰራዊት ኣይኮነን ክብል ድሕሪ ምጽናሕ፣ 28 ሰነ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ እቶም ንመሬት ኢትዮጵያ ኣትዮም ዝበሎም ወተሃደራት ሱዳን፣ ብሓይልታት ትግራይ ተሰንዮም መጥቃዕቲ ኣካዪዶም ክብል ምላሽ ሂቡ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፣ እቲ ወጥሪ ብሰላም ክዓርፍ፣ ዘሰሓሕብ ዘሎ ከባቢታት ከኣ ብምሽምግልና ክፍታሕ፣ መንግስቲ ሱዳን ካብ መጥቃዕቲ ክቑጠብ ጸዊዑ ኣሎ።

ወሃብ ቃል ሰራዊት ሱዳን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ነቲ ተሪፉ ኣሎ ዝበሎ ከባቢታት ክሳብ ዝቆጻጸሮ እቲ መጥቃዕቲ ገና ክቕጽል ምዃኑ፣ ኣፍሊጡ።

ጀነራል ኣልቡርሃን ኣብ ኣልፋሽጋ ኣብ ዘስመዖ መደረ፣ ‘ንዛረበሉ እዋን ኣብቂዑ እዩ፣ ሕጂ ብተግባር ሕነ እንፈድየሉ እዋን’ዩ’ ምባሉ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ናይ ዘተ ሰላም ኣንፈት ከምዘየለ ዘነጽር እዩ ክብሉ ዲፕሎማሰኛታት ይገልጹ።

ሓያሎ ውድባትን ሰልፍታትን ሱዳን፣ ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ወተሃደራዊ መንግስቲ ዝቃወምዎ እኳ እንተኾኑ፣ ነዚ ብሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሸውዓተ ወተሃደራት ሱዳን ተፈጺሙ ዝበሃል ዘሎ ቅትለት ግና ከምዝኹንንዎ ዝሕብር መግለጺታት የውጽኡ ኣለዉ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0