ሰሜን ኮርያ፣ ዶናልድ ትራምፕ ዘለዎ ቴምብር ዘርጊሓ

Radio Erena: 06 August 2019

መንግስቲ ሰሜን ኮርያ፣ መራሒ እታ ሃገር ኪም ጆንግ ኡን ምስ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ እናተራኸብ ዘርኢ ስእልታት ዘለዎ ቴምብር ከምዝዘርግሐት ተሓቢሩ።

እቲ፣ ክልቲኦም መራሕቲ ተራኺቦም ናይ ኢድ ሰላምታ እናተለዋወጡን፣ ካልኣይቲ ድማ ክታሞም እናንበሩን ዘርኢ ስእልታት ዘለዎ ቴምብር ካብ 12 ሰነ ኣትሒዙ ኣብ መዓላ ይርከብ።

ኣቐዲማ’ውን፣ ነቲ ካልኣይ ርክብ መራሕቲ ኣመሪካን ሰሜን ኮርያን ዘእንገደት ቬትናም፣ ንዝኽሪ እቲር ርክብ ዘንጸባርቕ ቴምብር ምዝርጋሓ ይፍለጥ።

ብኻልእ ወገን፣ ሰሜን ኮርያ፣ “ብስግረ ዶብ ናብ ጎረቤት ሃገራት ክኣትዉ ዝተታሕዙ’ዮም” ንዝበለቶም ዜጋታታ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ትርሽን ከምዘላ ሓድሽ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ኣቃሊዑ።

እቲ ጸብጻብ፣ ልዕሊ 300 ምስ ዝኾኑ፣ ናብ ጎረቤት ሃገር ደቡብ ኮርያ ዝሰገሩ ዜጋታት ሰሜን ኮርያ ብምጥቓስ ኣብ ዘቕረቦ ጭብጥታት፣ ሓያሎ ካብቶም በብእዋኑ ዝተሓዙ ሰባት፣ መምሃሪ ንኻልኦት ክኾኑ ተባሂሉ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ከምዝርሸኑ ኣመልኪቱ።

ብዘይካ’ዚ፣ ኣብ ኣብያተ ምእሰርቲ ዝርከቡ ዜጋታት እታ ሃገር’ውን ብጥሜትን መግረፍትን ኣብ ዘስካሕክሕ ኩነታት ከምዝርከቡ እቲ ጸብጻብ ይጠቕስ።

እታ ሃገር፣ ኣብ 1953 ካብ ዝቖመትሉ፣ ኣቦ፣ ወዲን ወዲ ወዲን፣ ሰለስተ ኣባላት ሓንቲ ስድራ ጥራይ’ዮም ተበራርዮም መሪሖም።

ኤርትራ፣ ኣብ ልዕሊ እሱራት ብዘለዋ ኣተሓሕዛ፣ ምርሻን ስግረ ዶባት ዝተታሕዙ ዜጋታትን ካልእ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ከምኡ’ውን ብዘለዋ ዞባውን ኣህጉራውትን ተነጽሎ፣ ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮርያ እናተባህለት’ያ ትግለጽ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0