ሰልፊ ኡማ ናይ ሱዳን፣ ምስ ወትሃደራዊ ጉጅለ ናይ ፖለቲካ መሻርኽቲ ከምዘይከውን ኣፍሊጡ

Radio Erena: 20 May 2022

ሓደ ካብ ዓበይቲ ፖለቲካዊ ውድባት ሱዳን ዝኾነ ሃገራዊ ሰልፊ ኡማ፣ ስልጣን ሒዙ ምስ ዘሎ ወትሃደራዊ ጉጅለ ናይ ፖለቲካ መሻርኽቲ ከምዘይከውን ኣፍሊጡ።

ሰልፊ ኡማ፣ ሓደ ካብቶም ድሕሪ ምእላይ ስርዓት በሺር ኣብ ዝተመስረትን ድሒሩ ብወትሃደራዊ ጉጅለ ዝፈረሰን መሰጋገሪ ሓይልታት ሓርነትን ለውጥን ዘቖሙ ናይ ልፍንቲ ፖለቲካውያን ውድባት፣ ሰልፍታትን ሲቪካውያን ማሕበራትን’ዩ።

ወትሃደራዊ ጉጅለ፣ መላፍንቱ ንዝነበረ ሲቪላዊ ወገን ብምእላይ፣ ስልጣን ብሒቱ፣ ፖለቲካዊ ሃዋሁ ሱዳን ናብ ዕጹው ማዕጾ ኣብጺሕዎ ከምዘሎ ዝገልጽ ሰልፊ ኡማ፣ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ድሕሪ ዘካየዶ ዘተ፣ ብ17 ግንቦት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ’ዩ፣ መሻርኽቲ ናይቲ ጉጅለ ከምዘይከውን ኣነጺሩ።

ኣብ መንጎ እቲ ወትሃደራዊ ጉጅለን ሲቪላዊ ወገንን ዝህሉ ዝምድና፣ ብተሳታፍነት ደኣ’ምበር ብሽርክነት ክውሰን ከምዘይብሉ ሰልፊ ኡማ ኣብ መወዳእታ ደምዲሙ።

ኣብ ቀራና መንገዲ እትርከብ ሱዳን፣ ናብ ደሞክራሲ ንምስግጋር ኣብ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ፣ ወትሃደራዊ ጉጅለ ዓቢ እጃም ክጻወት ከምዝኽእል ዝገልጽ ጀነራል ኣልቡርሃን ብወገኑ፣ ኣብ ሱዳን ኣብ 1985 ዝተገብረ ሽርክና ሲቪላዊ ወገንን ሰራዊትን ከም ኣብነት ይጠቕስ።

ሱዳን፣ ወትሃደራዊ ጉጅለ ስልጣን ከይብሕትን እታ ሃገር ናብ ሲቪላዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ክትሰጋገርን ሓያሎ ሃገራትን ኣህጉራዊ መሻርኽቲን ይጽውዓ።

ንወትሃደራዊ ጉጅለ ሱዳን ከምዝድግፍ ዝንገረሉ መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ፣ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ናይ ሽምግልና ተበግሶ ንምውሳድ ተደጋጋሚ እማመታት የቕርብ ኣሎ።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሱዳን፣ ኣቶ ዒሳ ኣሕመድ ዒሳ፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ፣ እማመ ሽምግልና ዝሓቖፈ መልኣኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃንን ምክትሉ ጀነራል ሓምዳን ዳጋሎን ከምዘብጽሐ መርበባት ዜና ሱዳን ሓቢረን።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ’ውን ብሚኒስተር ዑስማን ሳልሕን ኣቶ የማነ ገብርኣብን ዝተወከለ ልኡኽ እቲ ፕረዚደንት፣ ተመሳሳሊ መልእኽቲ ናብ ወትሃደራውያን መራሕቲ ሱዳን ኣብጺሑ’ዩ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0