ሰልፊ ሃገራዊ ኮንግረስ ሱዳን፣ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ከየካይድ ተኣጊዱ

Radio Erena: 01 December 2019

ሰልፊ ሃገራዊ ኮንግረስ ሱዳን፣ ነዚ ዝመጽእ 10 ዓመታት ዝኾነ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ከየካይድ ተኣጊዱ።

መሰጋገሪ ቆንስል ሱዳን ንኣስታት 14 ተኸታታሊ ሰዓታት ድሕሪ ዘካየዶ ጽዑቕ ኣኼባ፣ እቲ ብዑመር ኣልበሽር ዝምራሕ ዝነበረ ሰልፊ፣ ዝኾነ ንጥፈታት ከየካይድ ድሕሪ ምእጋዱ፣ ቀዋሚን ተንቀሳቓሲን ንብረቱ እውን ክህገር ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ዋዕላ ብተወሳኺ፣ ንደቀንስትዮ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ብዛዕባ ክኽተልኦ ዘለወን ኣገባባት ዝቕይድ ሕጊ ኣፍሪሱዎ ኣሎ። እቲ ሕጊ ንኣከዳድና ደቀንስትዮ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ከይተረፈ ዝቕይድ ምንባሩ ይፍለጥ።

ብኣሽሓት ዝቑጸራ ደቀንስትዮ ንምፍራስ እቲ ቀያዲን ፈላላዪን ሕጊ ኣመልኪተን ሓጎሰን ንምግላጽ ኣብ ከተማታት ሱዳን ወጺኤን። ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝርከቦም ሓያሎ ኣህጉራውያን ትካላት እውን ነዚ ብቆንስል ሱዳን ዝተወስደ ስጉምቲ ናእዳኦም ገሊጾም ኣለዉ። ኣምነስቲ ኣብ መግለጺኡ፣ ሰበስልጣን ሱዳን ነቲ ተሪፉ ዘሎ ከም ዓንቀጻት 77ን፣ 78ን ምስ ኣልኮላዊ መስተን ካልእ ንውልቃዊ ናጽነት ሰብ ዝገፍፍ ጽኑዕ ሕግታትን ከኣ ዳግመ ግምት ክገብሩሉ ጸዊዑ።

እንተኾነ ተጣበቕቲ መሰላት ደቀንስትዮ ሱዳን፣ ‘ነቲ ስጉምቲ ብእወታ እንርእዮ እኳ እንተኾንና፣ መሰልና ተኸቢሩ ኢልና ንጽምብለሉ እዋን ርሑቕ እዩ ዘሎ’ ብምባል፣ ኣብታ ሃገር ንመሰል ደቀንስትዮ ዝገፉ ሓያሎ ሕግታት ገና ከምዘለዉ ገሊጸን።

እዚ ፈሪሱ ዝበሃል ዘሎ ናብ ደቀንስትዮ ጥራይ ዘተኮረ ናይ ኣከዳድና ሕጊ፣ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ደኣ ተፈቒዱ እምበር፣ ኣብ መንግስታዊ ቤት ጽሕፈታት ገና ተግባራዊ ከምዘሎ እተን ተጣበቕቲ መሰላት ይገልጻ።

ዝበዝሕ ካብቲ ሞራላዊ ሕጊ ተባሂሉ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝጸንዐ ሕግታት ኣብ ዘበነ ስልጣን ኣልበሽርን ንሱ ዝመርሖ ዝነበረ ሰልፊ ሃገራዊ ኮንግረስን ዝተተግበረ ሙዃኑ ይግለጽ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0