ሰላማዊ ሰልፊ ህዝቢ ሱዳን ብሰፊሑ ይቕጽል

ሰላማዊ ሰልፊ ህዝቢ ሱዳን ብሰፊሑ ይቕጽል

ንፕረዚደንት ኣልበሽር ስልጣኑ ክገድፍ ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ህዝቢ ሱዳን ብሰፊሑ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፣ ኣዛዚ ሰራዊት’ታ ሃገር ምስ ህዝቡ ክውግን ጻውዒት ቀሪቡ።

ኣብዚ ዛጊት ካብ ዝተኻየዱ ሰላማዊ ሰልፍታት ዝበዝሐ ህዝቢ ከምዝተሳተፈሉ ዝንገረሉ ዘሎ ብቀዳም 6 ሚያዝያ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ህዝቢ ኣብ ኣፍደገ ቀጽሪ ሚኒስትሪ ምክልኻልን ቤት ጽሕፈት ጠቕላሊ ኣዛዚ ስታፍን ብምእካብ፣ ድምጹ ከስምዕ ከምዝወዓለ ተሓቢሩ።

ሮይተርስ ብወገኑ ካብ ከተማ ካርቱም ኣብ ዘመሓላለፎ ዜና ከምዘመልክቶ፣ እዚ ን100 ሽሕ ዝገማገም ቁጽሪ ህዝቢ ዝተሳተፎ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ኣብ ኣፍደገ መንበሪ ገዛ ፕረዚደንት ኣልበሽር ከምዝተኻየደ ገሊጹ።

እቶም ‘ናጽነት፣ ሰላም፣ ፍትሒ’ ዝብሉ ጭርሖታት ዘቃልሑ ዝነበሩ ሰልፈኛታት፣ ከምቲ ንፕረዚደንት ጃዕፈር ኑመሪ ካብ ስልጣኑ ንምዕላው ሰራዊት ኣብ ጎድኒ ህዝቡ ዝተሰለፈ፣ ሎሚ’ውን ዳግማይ ንህዝቢ ተኣማንነቱ ከርእይ ንምጽዋዕ ሙዃኑ ወደብቲ ማሕበራት’ቲ ሰልፊ ገሊጸን።

ሚኒስተር ዜናን መራኸቢታትን ሱዳን ሓሰን እስማዒል፣ ነዚ ብሮይተርስ ዝተዋህበ ሓበሬታ ናይ ኣሉታ መልሲ እኳ እንተሃበሉ፣ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ንዘርኣዩዎ ትዕግስቲ ግና ኣመስጊኑ።

ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቡዎ ሓበሬታ፣ ሓይልታት ጸጥታ ሰላማዊ ሰልፊ ንዘካዪድ ዝነበረ ህዝቢ ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ከምዝተጠቕሙ፣ እንተኾነ ብፍላይ መንእሰያት’ታ ከተማ፣ ፕረዚደንት ኣልበሽር ካብ ስልጣኑ ክሳብ ዝወርድ ጭሮሖኦም ክቕጽሉዎ ሙዃኖም ይገልጹ።

እዚ ንኣልበሽር ካብ ስልጣኑ ክእለ ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ካብ ዝጅምር ዝበዝሐ ቁጽሪ ህዝቢ ዝተራእየሉ ናይ ቀዳም 6 ሚያዝያ ሰልፊ፣ ኣብ ኣልጀሪያ ንዓብዱልዓዚዝ ቡተፈሊቃ ዝኣለየ ዕዉት ጻውዒት ህዝቢ ዝያዳ ከምዘተባበዖም እዮም ዝገልጹ ወደብቲ’ቲ ሰላማዊ ሰልፊ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0