ሰለስተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ፡ ኣብ ዙር ርዋንዳ 2022 ክወዳደሩ’ ዮም

Radio Erena: 16 February 2022

ሰለስተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ፣ ንኣህጉራውያን ክለባቶም ወኪሎም፣ ዝመጽእ ሰንበት 20 ለካቲት፣ ኣብ ከተማ ኪጋሊ ኣብ ዝኽፈት ውድድር ብሽክለታ ዙር ርዋንዳ 2022 ክቐዳደሙ እዮም።

እዞም ኣብ’ዚ ንመበል 14 ግዚኡ ዝካየድ ዙር ዝሳተፉ ሰለስተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ፡ ተዓዋቲ ዙር ርዋንዳ 2020 ናትናኤል ተስፋጽዮን ካብ ኢጣልያዊት ፕሮኮንቲነንታል ቲም ድሮን ሆፐር ኣንድሮኒ ጂዮካቶሊ፡ ተዓዋቲ 5 መድረኻት ዙር ርዋንዳ መትከል እዮብ ካብ ማሌዥያዊት ኮንቲነንታል ቲም ቴሬንጋኑን ሄኖክ ሙሉብርሃን ካብ ጀርመናዊት ኮንቲነንታል ቲም ባይክ አይድን እዮም።

ተቐዳደማይ መሓሪ ተወልደ’ውን ብደቡብ ኣፍሪቃዊት ጋንትኡ ኮንቲነንታል ቲም ፕሮታች፡ ኣብ ዙር ርዋንዳ ንምውድዳር ከም ተቐያሪ ተመሪጹ ኣሎ።

ኣብ’ዚ ዙር ንብርክት ዝበለ ዓመታት ተኻፊላ ብዙሕ ዓወታት ዝሓፈሰት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ተቐዳደምታ ክታበት ኣንጻር ኮቪድ ክወስዱ ብዘይምኽኣሎም፣ ካብ ዙር ርዋንዳ 2022 ከምዝቦኸረት ይግለጽ።

ካብ 20 ክሳብ 27ለካቲት ዝሰላሰል፣ 2.1 መዐቐኒ ዘለዎ ዙር ርዋንዳ፡ ኣብ 7 መድረኻትን ሓደ ናይ መእተዊ ውድድር ክሮኖ ሜትርን፡ ልዕሊ 930 ኪሎ ሜትር ክሽፍን እዩ።

ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ ዘመን ውድድር ድማ፡ 4 ሃገራውያን ጋንታታት፡ 1 ዎርልድ ቱር ቲም፡ 5 ፕሮኮንቲነንታል ቲምን 9 ኮንቲነንታል ቲምን፡ ብሓፈሻ 19 ጋንታታት ክቐዳደማ እየን።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0