ሮበርት ሙጋበን በዓልቲ ቤቱን 10 ሚልዮን ዶላር ጉኖዖ ክወሃቦም’ዩ

ሮበርት ሙጋበን በዓልቲ ቤቱን 10 ሚልዮን ዶላር ጉኖዖ ክወሃቦም’ዩ

Radio Erena: 26 November 2017

mugabe and graceን37 ዓመታት ንዚምባብወ ዝመርሐ ሙጋበ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምውራዱ፣ ኤመርሰን ምናንጋጓ ሓድሽ ፕረዚደንት ብምዃን ቃለ መሓላ ፈጺሙ።

ሓላፊ ጸጥታ እንከሎ ሓያሎ ገበናት ከምዝፈጸመ ዝንገረሉ ኤመርሰን ምናንጋጓ ቃለ መሓላ ድሕሪ ምፍጻሙ ኣብ ዘስመዖ መደረ፣ ህዝቢ ዚምባብወ ዝሓለፈ ጸሊም ታሪኽ ረሲዑ፣ ናይ ዕርቂ መንፈስ ከስፍን ጸዊዑ።

ሮበርት ሙጋበን በዓልቲ ቤቱን ካብዚ ሓድሽ መንግስቲ ምሉእ ናይ ጸጥታ ውሕስነት ተዋሂቡዎም ኣብታ ሃገር ብሰላም ክነብሩ ጥራይ ዘይኮነ፣ ብሚልዮናት ዶላራት ዝግመት ገንዘብ ከም ጉኖዖ ተዋሂቡዎም ከምዘሎ ምንጭታት ዜና ካብታ ሃገር ይሕብሩ።

ሓደ ስሙ ክገልጽ ዘይደለየ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ዚምባብወ ንዘ ጋርድያን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ሮበርት ሙጋቤ 10 ሚልዮን ዶላር ክወሃቦ፣ ከምኡ’ውን እቲ ናይ 150 ሽሕ ዶላር ደሞዙ ክሳብ ዕለተ ሞቱ ከምዘለዎ ክቕጽል ስምምዕ ከምዝተገብረ ገሊጹ።

ከምኡ’ውን ናይ መንበሪ ቤት፣ ወጻኢታት ሕክምና፣ ናይ መገሻታት ወጻኢታትን ናይ መነባብሮ ወጻኢታት ኩሉ ብመንግስቲ ክሽፈነሉ ምዃኑ ሓቢሩ።

ተቓወምቲ ሓይልታት ዚምባብወ፣ እዚ ኣብ መንጎ መንግስትን ሮበርት ሙጋበን ዝተገብረ ስምምዕ ከምዘይቅበልዎ ኣፍሊጦም ኣለዉ። ኣቦ ወንበር ናይቲ ዝዓበየ ተቓዋሚ ሰልፊ ምንቅስቓስ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ‘ካብ ስርሑ ንዝተገለፈ ሰራሕተኛ ክንድዚ ሓለፋ ክግበረሉ ቅዋም’ታ ሃገር ኣይፈቅድን’ዩ’ ድሕሪ ምባል፣ ሙጋበ ወኒኑዎ ዘሎ ኩሉ ንግዳዊ ትካላትን ሕርሻታትን ናይ ህዝቢ ንብረት ስለዝኾነ ክህገር ኣለዎ፣ ኢሉ።

በዓልቲ ቤት ሙጋበ፣ ደቁን ካልኦት ኩሎም ኣዝማዱን ዝውንንዎ ንብረት እውን ውሕስነት ተዋሂብዎ ከምዘለዎ ክቕጽል ምዃኑ ኣብቲ ኣብ መንጎ ሙጋበን ሓድሽ መንግስቲ ዚምባብወን ዝተገብረ ስምምዕ ዝጠቓለል እዩ።

ኣብቲ ስምምዕ ዘይተጠቓለሉ ሚኒስተራትን ላዕለዎት ሰበስልጣን ነበርን ግና ብዝተፈላለዩ ገበናት ክሲ ተመስሪቱዎም ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ምዃኖም ምንጭታት ዜና ካብታ ሃገር የመልክቱ።

ፕረዚደንት ኤመርሰን ምናንጋጓ ኣብዚ ሳልስቲ ካቢኔ ሚኒስተራት ከቕውም ትጽቢት ይግበረሉ።

======================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0