ርጉእ መንግስቲ ዘይብላ ኢትዮጵያ፣ ሓደስቲ ሚኒስተራት ተመዚዞም

Radio Erena: 19 April 2019

ርጉእ መንግስቲ ከተቕውም ኣብ ዘይክኣለት ኢትዮጵያ፣ ሓደስቲ ሚኒስተራት ተመዚዞም።

ካብታ ሃገር ብዝተዋህበ ሓበሬታ መሰረት፣ ፕረዚደንት ክልል ኦሮሞ ንዝነበረ ኣቶ ለማ መገርሳ ሚኒስተር ምክልኻል ኮይኑ ክሽየም እንከሎ፣ ፕረዚደንት ክልል ኣምሓራ ዝነበረ ኣቶ ገዱ ኣንዳርጋቸው ድማ መዝነት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ተረኪቡ ኣሎ።

ኢትዮጵያ፣ ብናይ ብሄር ግጭታት ዝተጎሃሃረ ቅላውላው እታ ሃገር፣ ናብ ናይ ስልጣን ምሽማው ብሄራት ዓሪጉ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ኣብ ክልላት ኦሮሞን ኣምሓራን ተደጋጋሚ ናይ ስልጣናት ምቅይያር ይርአ ምህላዉ ዘገንዘቡ ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ኩነታት ኢትዮጵያ፣ ብኸምዚ ኣካይዳ፣ እቲ ብልፍንቲ ውድባት ናይ ኣርባዕተ ብሄራት ዝቖመ ኢህወደግ፣ ህላውነቱ ኣብቂዑ ከምዘሎ ይምስክሩ።

ብፍላይ ብሄራት ኦሮሞን ኣምሓራን፣ ኣገደስቲ ጽፍሕታት መንግስቲ ንምቁጽጻር ኣብ ዝገብርዎ ዘለዉ ፖለቲካዊ ምሽማው፣ ንህዝብታት ትግራይ፣ ሶማልን፣ ካልእ ክልላት እታ ሃገርን ኣሻቒሉ ከምዘሎ ብሰፊሑ ይዝረበሉ።
=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0