“ርዋንዳ፣ ካብ እስራኤል ንዝስጎጉ ኣስታት 10 ሽሕ ሓተቲ ዑቕባ ክትቕበል’ያ፣” ሚ./ጉ/ወጻኢ ርዋንዳ

“ርዋንዳ፣ ካብ እስራኤል ንዝስጎጉ ኣስታት 10 ሽሕ ሓተቲ ዑቕባ ክትቕበል’ያ፣” ሚ./ጉ/ወጻኢ ርዋንዳ

Radio Erena: 27 November 2017

Rwanda Israel

ርዋንዳ፣ ካብ እስራኤል ንዝስጎጉ ኣስታት 10 ሽሕ ሓተቲ ዑቕባ ክትቕበል ኣብ ምዝርራብ ከምዘላ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሉዊስ ሙሺኪዋቦ ኣፍሊጣ።

እታ ሚኒስተር፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ፣ ኒው ታይምስ ምስ ዝተባህለት ጋዜጣ ሃገሩ ኣብ ዘካየደቶ ቃለ መጠይቅ፣ ርዋንዳን እስራኤልን ብዛዕባ’ቶም ኣብ ሩዋንዳ ክጣየሱ’ዮም ዝብሃሉ ዘለዉ፣ መብዛሕቶም ዜጋታት ኤርትራ ዝርከብዎም ሓተቲ ዑቕባ ገና ኣብ ውዱእ ስምምዕ ከምዘይበጽሓ ኣነጺራ።

ይኹን’ምበር እቲ ምዝርራብ ይቕጽል ከምዘሎን እቶም ካብ እስራኤል ናብ ሩዋንዳ ዝመጹ ሓተቲ ዑቕባ ብድሌቶም ምዃኖም ኣቐዲሙ ክረጋገጽ ከምዘለዎን እታ ሚኒስተር ብተወሳኺ ኣገንዚባ።

ካብ እስራኤል ናብ ርዋንዳ ብድሌቱ ክጣየስ ንዝመጽእ ሓታቲ ዑቕባ፣ መንግስቲ ርዋንዳ መዓጹታቱ ኣርሑ ከምዝቕበሎ ዝሓበረት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሉዊስ ሙሺኪዋቦ፣ ብዛዕባ መስርሕ ምጥያስ ብዝምልከት ገና ኣብ መደምደምታ ከምዘይተበጽሐ ኣረዲኣ።

ስምምዕ እስራኤል ርዋንዳን ብዝርዝር እኳ እንተዘይተሓበረ፣ ንነፍሲ ወከፍ ርዋንዳ እትቕበሎ ካብ እስራኤል ዝስጎግ ሓታቲ ዑቕባ፣ እስራኤል 5 ሽሕ ዶላር ንመንግስቲ ርዋንዳ ክትህቦ ምዃና’ዩ ክግለጽ ቀንዩ።

መስርሕ ምስግጋር ናይቶም ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ መዓስ ከምዝጅመር እታ ሚኒስተር ኣየመልከተትን።

መንግስቲ እስራኤል፣ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ናብ ርዋንዳ ንምግዓዞም ይደፋፍእ ከምሎ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምግላጹ ኣይርሳዕን።

እቲ መንግስቲ፣ ነዚ ንምትግባር ድማ ነቶም ኣብ ክፉት ቤት ማእሰርቲ ኾሎት ዝተሓዙ መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝኾኑ ኣስታት 1800 ሓተቲ ዑቕባ፣ ወይ ናብ ርዋንዳ ክኸዱ ወይ ድማ ናብ ካልእ ዝበኣሰ ቤት ማእሰርቲ ክሰጋገሩ ምዃኖም’ዮ ጸቕጢ ዝግበር ዘሎ።

ኣብ እስራኤል ልዕሊ 27 ሽሕ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ክህልዉ እንለዉ፣ ብዝሒ ሱዳናውያን ሓተቲ ዑቅባ ድማ ኣስታት 7800 ይበጽሕ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0