ርዋንዳ፣ ኣብ ዓሌታዊ ህልቂት ናይ ዝተቐትሉ 791 ሰባት ሬሳ ተኣኪቡ

Radio Erena: 16 September 2020

ኣብ ርዋንዳ፣ ኣብ 1994 ኣብ ዝተኻየደ ጃምላዊ ህልቂት ናይ ዝተቐትሉ 791 ሰባት ሬሳ ከምዝተኣከበ ተሓቢሩ።

እቲ ናይ ምእካብ መስርሕ ዝተጀመረ፣ ኣብ ምዕራባዊ እታ ሃገር ኣብ ዝርከብ ቀላይ፣ ሙጎሴራ ጤለበጊዕ ዝሕሉ ዝነበረ ቆልዓ፣ ከም ሽክና ዝኣመሰለ ኣሰር ኣስከሬናት ከምዝረኸበ ኣብ ወርሒ ጥሪ ናይዚ ዓመት’ዚ ድሕሪ ዘሕለፎ ሓበሬታ’ዩ።

ዛጊት ተኻይዱ ብዘሎ መስርሕ ምድላይን ምእካብን ኣስከሬን፣ 791 ሬሳታት ናብ መዕረፊ ቦትኡ ተወሲዱ ከምዝተወስደ ነቲ ዕማም ዘካይድ ዘሎ ማሕበር ኣፍሊጡ።

እቲ 547 ሬሳታት ካብ 26 ነሓሰ ኣትሒዙ ዝተኣከበ’ዩ።

እቲ ናይ ምድላይን ምእካብን ሬሳታት መርሕ ክቕጽል ምዃኑ እቲ ማህበር ገሊጹ።

ኣብ ርዋንዳ፣ ኣብ 1994 ኣብ ዝተኻየደ ዓሌታዊ ህልቂት፣ ኣስታት 1 ሚልዮን ሰባት ከምዝሃለቁ’ዩ ዝንገር።

ይኹን’ምበር ዛጊት ሬስኦም ዘይተረኽበ ኣሽሓት ከምዘለዉ ጸብጻባት እታ ሃገር የመልክት።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0