ርእሰ ምምሕዳር ጁባላንድ፣ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕረዚደንት፣ ኣብ ምርጫ ደጊሙ ተዓዊቱ

Radio Erena: 23 August 2019

ካብ ሶማል ተፈልያ ናይ ገዛእ ርእሳ ምምሕዳር መስሪታ ኣብ እትርከብ ጁባላንድ፣ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ፣ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕረዚደንት ኣሕመድ መሓመድ ማዶበ ተዓዊቱ።

ኣሕመድ ማዶበ፣ ካብ 2013 ኣትሒዙ ፕረዚደንት ናይታ ርእሰ ምምሕዳር’ዩ።

ብሓሙስ 22 ነሓሰ ኣብ ከተማ ኪስማዮ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ድማ ካብ 74 መናብር 56 ብምርካብ ደጊሙ ከምዝተዓወተ ተገሊጹ።

ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል፣ ጁባላንድ ሉኣላዊት ዞባ ሶማል ምዃና ብምጥቃስ፣ እቲ ዝካየድ ምርጫታት ኣፍልጦ ከምዘይህቦ’ዩ ዘጠንቅቕ።

ከም ሶማሊላንድ፣ ፑንትላንድ፣ ጁባላንድ ዝኣመሰላ ዞባታት ሶማል፣ ካብ 1990 ኣትሒዘን በብእዋኑ ካብታ ሃገር እናተነጸላ፣ ናይ ገዛእ ርእሰን ምምሕዳራት ዘቖማ’የን።

ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት፣ ናብ ሶማል ዝተበገሰት ወትሃደራዊ ነፋሪት ኢትዮጵያ፣ ኣብ ኪስማዮ ከይትዓልብ መንግስቲ ናይቲ ርአ ምምሕዳር ከምዝኸልከላ ይዝከር።

ፕረዚደንት ርእሰ ምምሕዳር ጁባላንድ፣ ኣሕመድ ማዶበ ምስቲ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ኣብ ምፍጣጥ ዝርከብ መንግስቲ ኬንያ ጥቡቅ ዝምድና ከምዘለዎ ይግለጽ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0