ርሑስ ሓድሽ ዓመት!

ርሑስ ሓድሽ ዓመት!

ድምጺ ሬድዮ ኤረና፣ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራን ፈተውቱን ርሑስ ሓድሽ ዓመት ይግበረልና ትብል።
    ሓድሽ ዓመት 2013፣ ዓመተ ራህዋ፣ ቅሳነትን ምዕባለን ክትኮነልና፣ ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ዘሕልፎ ዘሎ መስገደል ዝመልኦ ህይወት ወጺኡ፣ ህድኣትን ርግኣትን ዘለዎ ህይወት ክመርሕ፣ ዝተበታተና ስድራቤታት ዝተሓቛቖፋሉ፣ ዓመት ክኾነልና ንምነ።

   newY እዛ እንኣትዋ ዘለና ሓዳስ ዓመት፣ ዓመተ ደሞክራሲን ምዕባለን፣ ዓመተ ለውጥን ብልጽግናን፣ መንእሰይ ኤርትራ ዘይከምዝሓለፉ ዓመታት፣ ኣብ ዓውዲ ፍልጠት፣ ምህዞን ትምህትን ዝዋፈረሉ ዓመት፣ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዳግማይ ባህሉን ክብረቱን ዘዐምብበሉ ዓመተ ሽሻይ ክኾነልና ንምነ።

ሬድዮ ኤረና

COMMENTS

WORDPRESS: 0