ሩዋንዳን ኡጋንዳን ኣብ ጉዳይ ተመለስቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ እስራኤል ዝተፈላለየ መርገጺ ይሕዛ

ሩዋንዳን ኡጋንዳን ኣብ ጉዳይ ተመለስቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ እስራኤል ዝተፈላለየ መርገጺ ይሕዛ

Radio Erena : 06 April 2015

RwugaISእስራኤል ኣብታ ሃገር ንዘለዉ መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝርከብዎም 10ታት ኣሽሓት ስደተኛታት ብዘይድሌቶም ናብ ሩዋንዳን ኡጋንዳን ንምጥራዞም ትሰርሕ ከምዘላ ድሕሪ ምግላጹ፣ መንግስታት ሩዋንዳን ኡጋንዳን ብዛዕባ’ቲ ናይ እስራኤል ተበግሶ ዝተፈላለየ ርእይቶታት ይህብሉ ኣለዉ።

ሩዋንዳ፣ ነቶም ናብ ሃግሮም ክምልሱ ጸገም ዘለዎም ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ስደተኛታት ንምቕባል ፍቓደኛ ምዃና ዝእንፍትን፣ ንእተገባብርኡ ዝምልከት ድማ ምስ መንግስቲ እስራኤል ኣብ ምዝርራብ ከምዘላን ከተረጋግጽ እንከላ፣ ኡጋንዳ ግና በንጻሩ፣ እቲ ናይ እስራኤል ተንበግሶ ኣህጉራዊ ሕግታት ስደተኛታት ዝጥሕስን ከም “ምጉሓፍ ስደተኛታት ዝጽብጸብን’ዩ” ክትብል ተቓውሞታታ ገሊጻ።

ፕረዚደንት ሩዋንዳ ፓውል ካጋመ፣ ነቲ ሃገሩ ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ንምቕባል ምስ እስራኤል ትዘራረብ ከምዘላ ንዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኡጋንዳ ሄንሪ ኦኬሎ ኦርይም ድማ በንጻሩ፣ ሃገሩ ምስ እስራኤል ቀጥታዊ ይኹን ብመንገዲ’ቲ ኣብ ኬንያ ዝመደበሩ ኤምባሲ ዝኾነ ዓይነት ስምምዕ ከምዘየካየደት ብምጥቃስ፣ እቲ ናይ እስራኤል ተበግሶ፣ ኣህጉራዊ ውዕላት ስደተኛታት ዝጥሕስ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

እስራኤል፣ ነቶም ኣብ ሖሎት ተታሒዞም ዘለው መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝኾኑ ኣስታት 2 ሽሕ ስደተኛታት ናብ ዘይተፈልጠ ሳልሰይቲ ሃገር ክወጹ’ያ ትደፋፍኦም ዘላ።

ሩዋንዳን ኡጋንዳን ነቶም ካብ እስራኤል ዝመልሱ ስደተኛታት ክቕበላ እንተኽኢለን ካብ መንግስቲ እስራኤል ኣማኢት ሚልዮናት ዶላር ሓገዝ ክግበረለን ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

እንተኾነ እቲ ናይ እስራኤል ምድፍፋእ ኣተባባዒ ውጽኢት ክርከቦ ብዘይምኽኣሉ፣ እታ ሃገር ነቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለዉ ይኹኑ ካልኦት ስደተኛታት በብመድረኹ ካብታ ሃገር ብግዴታ ንምውጻኦም’ያ ጽዕርታት ተካይድ ዘላ።

እስራኤል ምስ መንግስቲ ኤርትራ’ውን ተደጋጋሚ ዝርርባት ተካይድ እኳ እንተኾነት፣ ኣብ እስራኤል ዝርከብ ኣምባሳደር ናይቲ መንግስቲ ግና ብግዴታ ንዝመጹ ኤርትራውያን ክቕበል ፍቓደኛ ከምዘይኮነ ኣረጋጊጹ’ዩ።
================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0